ኡጋንዳ ነቲ ንዓመት መመላእታ ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት ምቕባል ስደተኛታትን፡ ምምዝጋብ ሓተትቲ ዕቝባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ክጅምር ምግባራ፡ ኣብ ሰንፈላል ከም ዝጸንሑ ዝዛረቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሩፍታ ከም ዝተሰምዖም እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ዝከይድ ዘሎ ዝጋሕመጠ ኣሰራርሓ ግን፡ ዘይፍታሕ ሽግር ኮይንዎም ምህላዉ ገሊጾም።
ካብ ምሉእ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ብምቕባል ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ኡጓንዳ፡ ክሳዕ ታሕሳስ 2025 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራሕ፡ 56,299 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቝባ ምምዝጋባን፡ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራትን ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኡጋንዳን ዝሕብር ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተፈጥረ ኲናት ስዒቡ ውን፡ ቁጽሪ ኣብ’ታ ናብ’ታ ሃገር ዛኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብተዓጻጻፊ ክዛይድ ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።
ኡጋንዳ ምምዝጋብ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ንዘይተፈልጠ ግዜ ደው እኳ እንተ በለቶ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግን፡ ደው ክብል ከምዘይከኣለ ዝገልጹ ነበርቲ እታ ሃገር ዝኮኑ ኤርትራውያን፡ ብፍላይ እቶም ልዕሊ 5000 ዶላር ብምኽፋል፡ ብመንገዲ ትግራይ ናብ ኡጋንዳ ዝበጽሑ ኤርትራውያ፡ ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቆም ምጽንሖምን፡ ዋሕዚ ሊብያ ውን ክዛይድ ምጽንሑን’ዩ ዝግለጽ።
ብሕጋዊ መስርሕ ፕሮሰስ፡ ናብ ሰልስተ ሃገር ክግዕዙ ዕድል ዝነበሮም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኡጋንዳ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ናብ ዘይተደልየ ዘይሕጋዊ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ጀሚሩ ዘሎ ምዝገባ ሓደሽቲ ስደተኛታት ግን፡ ኣብ ሂወት ሓደስቲ መንእሰያት ዓቢ መስተርሆት ክኸውን ምኳኑ’ዩ ዝንገር።