ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ብእከይ ተግባራቱ ዝተደወነን ዝተፈንፈነን እንታይነቱ ንምሕባእን፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምቕጻልን፡ ህዝቢ ዘደናግር ናይ ጎስጓስ ኣኬባታት የካይድ ምህላዉ፡ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ጉጅለ ህግደፍ: ብህዝቢ ኤርትራ ገጢምዎ ንዘሎ ተነጽሎ ንምሕዋይ፡ ናይ ሓሶት ትረካታት ብምፍጣር ክውንነት ናይ ምጥምዛዝ ጽዑቅ ኣኬባታት የካይድ ምህላዉ፡ ምንጭታትና ካብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዘረጋግጹ ኮይኖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩን ቀዳምነታቱን ከየድህብን፡ መሰላቱ ከይሓትትን ንምዕባስ፡ ወራር ኢትዮጵያን ግዳማዊ ተጻብኦን ንምምካት፡ ብዝከኣሎ ክዳሎን ገንዘብ ከዋጽንን ዝዓለመ ቀጻሊ ኣኼባን ጎስጓስን፡ ብጉጅለ ህግደፍ ይካየድ ምህላዉ’ዮም ዝጠቅሱ።
እቲ ብጉልባብ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ተመኽንዩ፡ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታት፡ ዞባታትን፡ ስማውያን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝካየድ ዘሎ ኣኬባታት፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝተጸውዑን፡ ሃገራውያን ውዳበታት ተባሂሎም ንዝፍለጡን ጉጅለታት ውን ዘሳተፈ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ክትግበር፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ክህሉ፡ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ክኽበር፡ ሕዩራት ፍትሒ ክረኽቡ፡ ማሕበራዊ ጸገማትን ኣገልግሎትን ክፍታሕ ብቀጻሊ ኣብ ዝጠልበሉ ዘሎ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ብምፍጣር ዳግማይ ስጋኣት ክፈጥር ምፍታኑ፡ ዕላማ እቲ ናይ ጎስጓስ ኣኬባታት፡ ስልጣን ንምውሓስን ገንዘብ ንምእካብን ጥራሕ ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ኣብ ስደት ዘለዉ ተቃለስቲ፡ ኣንጻር’ቲ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለን፡ ብጉልባብ ሃገራዊ በዓላትን ባህላዊ ምትእኽኻብን ዝካየድ ናይ ጽልኢ ሰሚናርን ጓይላን ሓያል ቁጥዐ ድሕሪ ምልዓሎም፡ ምእካብ ገንዘብ ጉጅለ ህግድርፍ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢዎ፡ ኣመንተይ ብዝብሎም ኣካላት ከይተረፈ ተካዒቡ ዕርቃኑ ደገ ምውጹኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነቲ ዝኸሰሮ ናይ ምዝመዛ ዕድላት ብሓድሽ ውዳበ ንምእካቡ፡ ንደገ ፍሉያት ደገፍቲ ምልኪ ናብ ውሽጢ ሃገር ብምጽዋዕ ይሰርሕ ምህላዉ’ዩ፡ እቲ ካብ ዓዲ ዝመጸና ሓበሬታ ዘረድእ።
ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት፡ ነቲ ንኣስታት 35 ዓመታት ብዘይ ግዝኣተ ሕግን ምርጫን፡ ህዝቢ ዝረግጽን ሃብቲ ሃገር ዝዘምትን ዘሎ ግዕዙይ ምሕደሩኡ፡ ዳግማይ ትንፋስ ንምዝራእን ደገፍ ንምርካብን ዓሊሙ ይካይዶ ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዝሰምዖ ዘሎ ናይ ስጋኣት ፕሮፖጋንዳ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፡ ደቁ ካብ ኲናት ዝርሕቅሉ መንገዲ ሃሰው ኣብ ምባል ጥራሕ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት፡ ዝተረፈ ፍርቂ ከኣ ኣብ ከቢድ ድኽነት ገደብ ኣልቦ ባርነትን፡ ፍርዲ ዘይብሉ መሓዩርን ምህላዉ ኣብ መልእክቶም ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ሃገር ክርከብ፡ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስነሉ መሰላት ክህልዎ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን፡ ጉጅለ ህግደፍ ዳግማይ ብስጋኣት ኲናት ይጉስጉስ ምህላዉ፡ ዕላማ እቲ ጉጅለ ብንጹር ክትርዳእ ዝገብር ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ደጊም መሰረታዊ ሃገራዊ ሕቶታት መልሲ ዝረኽበሉ መድረክ ዳኣ እምበር፡ ኣብ ኩናትን እገዳን ኣለና ብዝብሉ ዝኣረጉ መመኽነይታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክጥበር ከምዘይኮነ’ዮም ዝገልጹ።
ንጉጅለ ህግደፍ ተሪፋቶ ዘላ ሓንቲ ዕድል፡ ስልጣንካ ንህዝቢ ኤርትራ ብምርካብ፡ ብዝፈጸምካዮ ገበናት ተሓታቲ ምኳንን ሓላፍነት ምስካምን ጥራሕ’ዩ ዝበሉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ነቲ ንዓመታት ዝወረዶ በደልን ጭቆናን ሓራ ብምውጻእ፡ ናጽነቱ ንምእዋጅ ድልዉ ክሳብ ዝሃለወ፡ ናይ ተወሪርና ኣውያት ጉጅለ ህግደፍ ሰማዒ ከምዘይብሉ’ዮም ኣብ መደምደምታ ዝገልጹ።