ጉጅለ ህግደፍ: ብጉልባብ ምዝርጋሕ መስመር ኤለክትሪክን ኣገልግሎት መብራህትን: ካብ ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገንዘብ ይምንዝዕ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።
ኣብ ኤርትራ: ዝበዝሐ ክፋል ኣብ ከተማ ዝነብር ህዝብና ስሩዕን ብቑዕን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኣብዘይረኽሉ እዋን: ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ገጠራት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ንምዝርጋሕ ተባሂሉ: ኣብ ስደት ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ተቆጻጻሪ ዘይብሉ ገንዘብ ይዘምት ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኤሪፒኤም ዝመጸና ሓበሬታ: ጉጅለ ህግደፍ በተን ባዕሉ ዘቆመንን ንረብሕኡ ዘገልግላን ምምሕዳራት ከባብን ዓዲታትን ኣቢሉ: ናብ ወጻኢ ዝቕመጡ ዜጋታት: “ዓድና መብራህቲ ክኣትዎ ስለዝኾነ ንመዘርግሒ ኣዕኑድ ኤለክትሪክን ገመድን መከፋፈሊ ማእከልን ገንዘብ ሓግዙና” ዝብል ደብዳበ ልኢኹ ዶላራት ይእክብ ኣሎ።
ከምዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ብምዕራባውያን ሃገራት እገዳ ከምዝተገብረሉ ብቀጻሊ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ: ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላትን ኣብ ምዝርጋሕን ምምዕባልን ኤለክትሪክን ጸሓያዊ ጽዓትን ዝውዕል ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ክረክብ ጸኒሑን ኣሎን ኢዩ።
እዚ ካብ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዝጎደሎ ዝእክቦ ዘሎ ገንዘብ ድማ: ብጉልባብቲ ካብ ለገስቲ ኣካላት ዝተመደበሉ: ንኻልእ መዓላ ዝዘርዎ ኢዩ።
ብተወሳኺ ጉጅለ ህግደፍ: ሰብኣዊ ጉልበትን መሳርሕን ኣብ ግምት ብምእታው ውጥን ዝነድፍን ግዳማዊ ሓገዝን ዝሓትትን እኳ እንተኾነ: ደሞዝ ዘይክፈሉ ጉልበት ሰራዊት: ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ህዝብን ኢዩ ዘስርሖ።
እዚ “ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ክትረኽቡ” ተባሂሉ ካብ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዶላርን ዩሮን ኣብ ካዝናታት ጉጅለ ህግደፍ ዝኣቱ ኣሽሓት ገንዘብ ከኣ: ዝተሓስበ መደብ ምኽንያት ከይተገልጸ ንዓመታት ከምዝውንዘፍን ተወሳኺ ገንዘብ ከምዝሕተትን እቲ ዝረኸብናዮ ምንጪ የመልክት።
ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት: ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ልምዓት ሃገሮም ክሳተፉ: ርእሰማሎም ከውፍሩን ኣብ ዓድታቶምን ከባቢኦምን ክሃንጹን ተበግሶ ወሲዶም እኳ እንተነበሩ: ብሰንኪ ዓንቃፍን ገባትን ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ ግን ተኾሊፎምን ተሰዲዶምን ኢዮም።
ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ሓጋግን ፈጻምን ሓታቲ ዘይብሉ: ዝኹዕቶ ዘሎ ማዕድናት ካብ ህዝቢ ዝእክቦ ገንዘብን ጸጋታትን: ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ድኽነትን ስደትን ድሕረትን ከናግፎ ኣይክኣለን።
ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ንምፍታሕ: ብጉልበቱን ብገንዘቡን ክሳተፍ ድሉው እኳ እንተኾነ: ምጥፍፋእን ስርቕን ዝለመደ ጉጅለ ህግደፍ ግን ቀንዲ ዕንቕፋት ኢዩ።