መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ “ተጻባኢ ኣጀንዳ”፡ ብድፍኢት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝዝወር እዩ ክብል፡ ጉጅለ ህግደፍ ንብልጽግና ከሲሱ።
እቲ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዝወጸ ሓድሽ መግለጺ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኣንጻር ኤርትራን ዞባ ቀሪኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሻ፡ ሓደገኛ ግጭት ዝቕስቅስን ኣጀንዳ ይኽተል ምህላዉ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ እቲ ተጻባእን ብወገን ኤርትራ ዘይተሳወረን ኣጀንዳ፡ ከም ናይ ህላወ ጉዳይ ተወሲዱ፡ ኣገዳስነት ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ከረድእ ዝፍትን እኳ እንተኮነ፡ ቀንዲ መበገሲኡ ግን ድፊኢት ናይ ደገ ሓይልታት ምኮኑ እዩ ዝኸስስ።
እቲ ብክፍሊ መጽናዕትን ስነዳን ናይቲ ሚኒስትሪ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ትጠልቦ ዘላ ዋንነትን መሰልን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝነጽግ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝቃላሕ ዘሎ መግለጺታት ንልኡላውነት ኤርትራ ዝዳፈር ምዃኑ እዩ ከመልክት ዝፍትን።
እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ 19 መጋቢት ዝወጸ ሓተታ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ብድፊኢት ናይ ደገ ሓይልታት ናብ ግጭት ያኣቱ ምህላው ዘረደአ ኮይኑ፡ ብዘይካ’ዚ ውን፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ተላዒሉ ዘሎ ኣጀንዳ፡ ንነባሪ ምርግጋእን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጎድእ፡ ናይ ወጻኢ መሓውራት ዘለዎን ብኡ ዝዝወርን ከምዝኾነ ጭቡጥ መርትዖ ከምዘለዎ እዩ ዝጠቅስ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓተቱኡ፡ ናይ ወጻኢ ኣካላት ዝበሎም ሓይልታት መነመን ምኳኖም እኳ ብንጹር እንተዘይጠቐሰ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣሉታዊ ምትእትታው ትገብር ኣላ ብምባል ብትሪ ክነቕፍ ምጽንሑ ግን ዝፈልጥ እዩ።
መራሒ ናይ’ቲ ጉጅለ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ፈለማ ናይ’ዚ ዓመት እዚ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኢማራት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኢዳ ብምእታው ሰላምን ምርግጋእን ከይፍጠር ዕንቅፋት ትኸውን ኣላ ክብል ተሰሚዑ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ “ኲናት ተኣዊጁ፡ ድሮናት ይመጽኣ ኣለዋ? መንዩ ነተን ድሮናት ዘምጽአን ዘሎ? መን’ዩ ነዚ ኩሉ ኣጽዋር ካብ ደገ እናሸመተ ዘምጽእ ዘሎ? መንዩ ነዚ ኩሉ ውዲታት’ዚ ዝምውል ዘሎ? ካበይ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ገንዘብ? መን’ዩ በዚ ገንዘብ’ዚ ዝግዛእ ዘሎ ዕሱብ? ስለምንታይ’ዩ ዝግዛእ ዘሎ? እንታይ ክበልዕ እንታይ ክረክብ ኢሉ’ዩ ዝኣቱ ዘሎ? እዚ ጸወታ’ዚ፡ ናታቶም ኣጀንዳ እውን ኣይኮነን” ክብል ብልጽግና ድላይ ኢማራት ዓረብ የተግብር ምህላዉ’ዩ ኣብ ቃለመሕተቱ ዝገልጽ።
ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ፡ እናኸፍአ ክመጽእ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ካልእ ደማዊን ኣዕናዊን ኲናት ከየምርሕ ንህዝብታት ክልቲኤን ሃገራትን፡ ሃገራት እዚ ዞባን ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ይርከብ።