ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው: ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣሉታዊ ጽልዋ ከይፈጥር ተሰጊኡ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ምስ ቅልውላው መጻብቦ ሆርሙዝ: ኣቃልቦ ሓያላን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይዓቢ ኣብ ዘለወሉ እዋን: ኣብ’ቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ብኣሉታ ከይጽለዋ የስግእ ምህላዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብመሰረት ኣህጉራውያን ተንተንቲ ቁጠባ: ፖለቲካን ጸጥታን: ምስ ምዕጻውን ቅልውላውን መጻብቦ ሆርሙዝ: ብዙሓት ሃገራትን ንግዳዊ ትካላትን: ንቀይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ ክጥቀማሉ ይንቀሳቐሳ ስለዘለዋ: ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ሃገራት ግዳይ ግዳማዊ ዘይምርግጋእ ከይኮና ስግኣቶም ገሊጾም።
ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዘካይዶኦ ዘለዋ ኩናት: ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ውን ጸጥታዊ ስግኣትን ውድድራትን ክዓቢ ስለዝኸእል: ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ነዚ ሓድሽ ኩነታት ዝዛመድ ዲፕሎማስያውን ጸጥታውን ርክባትን ዝምድናን ክህልወን ክግደዳ ኢየን።
ብቀንዱ ብቁጠባን ወተሃደራውን ዝሓየላ ሃገራት: ንረብሓታተን ክብላ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ህላወአንን ጽልዋታተንን ከዕብያን ከምኡ እውን መሻርኽቲ ክደልያን ኢየን።
ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንጠለብ ሓያላን ሃገራት ብዲፕሎማስያውን ንኽልተኣዊ ረብሓን እወታዊ ግብረ መልሲ እንተዘይሂበን ድማ: ናብ ኩናት ዝምዕብል ወጥሪ ከምዝዓቢ ንምግማት ኣየጸግምን።
ብፍላይ እቲ ንክልተ ወደባትን ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕርን ኤርትራ ኣምኪንዎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ: ንህሉው ዞባውን ዓለማውን ኩነታት ዝመጣጠን ፖሊሲ እንተዘይተኸቲሉ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ኢዩ።
ብፍላይ ወደብን ባሕርን ንምውናን: ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራ ወራር ከካይድ ብቀጻሊ መናውራ ዘካይ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና: ንሰንኮፍን ዘይቅርዑይን ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍ መዚሚዙ: ሕልሚታቱ ከተግብርን ምስ ካልኦት ኣካላት ዘይቅዱስ ሽርክነት ክምስርትን ይኽእል ኢዩ።
ብኣንጻሩ ቀይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺ መጻብቦ ሆርሙዝ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ: ወደባትን ገማግም ባሕርን ኤርትራ ርሒብ ዕድላት ወፍርን ዕዳጋን ከፈጥር ተኽእሎ ኣሎ።