ጸረ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሙኳን፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል ኣደራዕ ኣብ ምውራድ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ እከይ ተግባራቱ ሕጂ ውን ብኲናት ኢራን ኣሳቢቡ መነባብሮ ህዝብና ኣብ ምንዋጽ ምህላዉን፡ ቀረባት ክኸልእ ምጅማሩን ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ መሰል ንከየልዕል፡ ኣብ ኲናትን ወረ ኲናትን ተሓቢኡ፡ ሃለዋት ህዝብና ከምዝከብድ ብምግባር፡ ካብ ሽግር ትርፊ ክረክብ ዝሓስብ ጉጅለ ምኳኑ፡ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ መቀጸልታ ናይዚ እከይ ተግባራቱ ሎሚ ውን እንተኮነ ንኲናት ኢራን ኣመክንዩ ኩሉ ኣገልግሎታት ከምዝዕጾ ብምግባርን፡ ክፖን ከምዘይህሉ ብምግባርን፡ ሃለዋት ህዝብና ካብ ዝከፈአ ናብ ዝበኣሰ ንክወርድ ይጽዕር ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ንናይ ሚዲያ መሓውራቱ ተጠቂሙ፡ ኤርትራ ብኲናት ኢራን ከምዘይትጽሎን፡ ናይ ነዳዲ ቀረባታ ውን እንተኮነ ካብ ወደባት ሱዕድያ ከም እትጥቀምን ኣብ ምግላጽ ምጽንሑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ይኩን እምበር ዘይከምቲ ብቃሉ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ህዝባዊ ቀረባት ከምዘይህሉ ብምግባር፡ ሂወት ህዝብና ናብ ቀውሲ ከምዛኣቱ ብምግባር፡ ፖለቲካዊ ተጽዕኑኡ ከቃልል ይቃለስ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
እዚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ቀውሲ ሃለክቲ ነገራት፡ ከምቲ እቲ ጉጅለ ዝገልጾ ካብ ኲናት ኢራን ዝተወልደ ከምዘይኮነ ወሲኮም ዝጠቀሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ እዚ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ ቀረባት ናይ ምሕናቅ ስጉምቲ፡ ናይ ተቓውሞ መንፈስ ህዝቢ ንምስባርን፡ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምትራፍን ዝተመርጸ እኩይ ዕላማ ምኳኑ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ቀረብ ኩፖን ነዳዲ ጋዝን ላምባን፡ ብምሉእን ብከፊልን ተኸልኪሉ፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ምህላዉ ወሲኹ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ህግደፍ ኲናት ኢራን ጽልዋ ምፍጣሩ ብዘእምን ናይ 03 ሓበሬታ ህዝቢ ነቲ ጸገም ክጻወሮ ይጽውዕ ወላ ዳኣ ይሃሉ እምበር፡ ብዕላማ ዝተመርጸ ናይ ኣጥሚኻ ግዛእ ስልቲ ምዃኑ ግን ካብ ማንም ዝሕባእ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ኲናት ባድመ ኣትሒዙ፡ እገዳ ተጻቦኦ ምዕራባውያን፡ ኣይ ኲናት ኣይሰላም፡ ጸቅጢ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሉኡላውነትን ካልእን ዝብሉ ትረካታት እንዳፈጠረ፡ ሂወት ህዝብና ኣብ ቀውሲ ብምእታው፡ ተቓውሞን ህዝባዊ ቁጥዐን ኣብ ምዕጋስ ምጽንሑ ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ህግደፍ ግዜ ንምዕዳግ ዝኽተሎ ሓደገኛ ኣካይዳ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከታልል ከምዘይኽእል’ዮም ኣብ መደምደምታ ዝጠቅሱ።