ብጉዳይ ፖለቲካ ማያት ፈለግ ኒልን ቀይሕ ባሕሪን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጥቡቅ ዝምድና እትርከብ ግብጺ፡ ኣብ ውልቃዊ ትካላት ጉጅለ ህግደፍ ንምምዕባል ቁጠባዊ ደገፋት ክትገብር ቅርብቲ ምህላዋ ተገሊጹ።
ንድሌት ግብጺ ስዒቡ ናብታ ሃገር ዘምርሐን፡ ብሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት ዝምራሕን ሉኡኽ ጕጅለ ህግደፍ፡ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ እታ ሃገር ብምርኻብ ይዘራረብ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ምስ ግብጻውያን ሚኒስተራት ወጻኢ፡ ወፍሪ፡ ንግዲ፡ ኢንዱስትሪን፡ መጓዓዝያ፡ ኤለክትሪሲቲን ጸዓትን፡ ሕርሻን መሬትን፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ትካላት ባንክን መድሃኒትን ብምርኻብ ከምዝዘተየ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ግብጺ ዝበጽሐ ሉኡኽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደልዓጢ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ግብጺ ትካላት ጉጅለ ህግደፍ ንምዕባይ ክትተሓባበር ድልውቲ ምህላዋ ከምዘረጋገጸ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ በዚ መሰረቲ እቲ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኢዱ ብምስዳድ ድሌታት ግብጺ ዘተግብር ዘሎ ጉጅለ፡ ብርክት ዝበለ ንዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ክረክብ ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ብወገን ካይሮ ዝወጸ ተመሳሳሊ ዜና ከም ዘነጽሮ፡ ክልቲአን ሃገራት “ስትራተጅያዊ ዝምድና” ኣለወን ክብል፡ ምስ ሉኡኽ ጉጅለ ህግደፍ ዝዘተየ ግብጻዊ ምኒስተር ከም ዝተዛረበ ዝጠቅስ ኮይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሞንጎ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ፡ ግብጺ ንጉጅለ ህግደፍ ክትኸስብ ኣብ ጻዕሪ ምጽንሓ ውን ዝፍለጥ’ዩ።
ብግብጻዊ ሚኒስተር ወፍርን ንግዲ ወጻእን ዝወጸ መግለጺ ብተመሳሳሊ፡ ግብጺ ንልኡላውነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ምሉእ ደገፍ ከም ዘለዋ ዘስመረሉ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ንክልቲኤን ሃገራት ጉዳይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ኣጀንዳ ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ከልዕሎ ብዝጸንሐ ተደጋጋሚ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪን ዋንነት ወደብን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ግብጺ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ከም’ዚ ዓይነት መርገጺ ምውሳዳ ውን፡ ምስቲ ኩነታት ዝተኣሳሰር ትርጉም ከምዘለዎ’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ታየ ኣስቀ ስላሴን ዝርከብዎም መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኣብ 1991 ከምኡ’ውን ኣብ 1993 ሓርነታን ናጽነታን ኣብ ዝኣወጀትሉ ኩነታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ብጥልመት ከም ዝተፈጸመ ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ግብጺ ኣብ’ዚ ኩነታት እዚ ብምእታው፡ ኣብ ጉዳይ ተፋሰስ ኒል ንኢትዮጵያ ብኤርትራ ጅሆ ንምሓዝ ትሰርሕ ምህላዋ ውን’ያ ትኽሰስ።፡
ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1993 ናጽነታን ልኡላውነታን ኣብ ዝኣወጀትሉ ሰዓት፡ ብህወሓት ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ምሉእ ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ይፍለጥ ኮይኑ፡ ገለ ገለ ኢትዮጵያን ግን፡ ኢህወደግ እንተ ወሓደ ንወደብ ዓሰብ ንምውናን ክከራኸር ይኽእል ነይሩ’ዩ ብምባል’ዮም ዝምጕቱ።