ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ኣፈኙኡ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ናይ ግብረመልሲ መግለጺ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝደጋግምዎ ዘለዉ ምጉት ዋንነት ኣፍደገ-ባሕሪ፡ ተኹታኽን ሓላፍነት ዝጎደሎን እዩ ክብል ተቓዉሙኡ ገሊጹ።
ሚኒስተር ዜና ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ብመንገዲ ናይ X ሕሳቡ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ መራሒ ናይቲ “ፖተምኪን” ክብል ዝገለጾ ሰልፊ ብልጽግና ዝኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ፡ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቱ ንምህዳም ዘልዕሎ ዘሎ’ዩ ክሲ’ዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ከም ብዓል ጀነራል ጻድቃን ዝበሉ ሓንጨመንጪ ውን፡ ነቲ ተደጋጋሚ ቶኽታዂን፡ ዝበለየ ምጉትን ትንፋስ ክዘርእሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል እዩ ጽሒፉ ዝርከብ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ ቃለመሕተት፡ “ንኣሽቱ ሃገራት” ንወሳኒ መስመራት ባሕሪ ክሕልዋ ስለ ዘይክእላ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ “ዓቕሚ ዘለወን” ሃገራት ክሳተፋ ከም ዘለወን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ካብ ውሽጣዊ ሽግራት ኢትዮጵያ ንምህዳም፡ ኣብ ናይ ባሕሪ ፖለቲካ ይሕባእ ምህላዉ’ዩ ዝኸስስ።
ኣብ ቃላቱ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ብዝተኻእለ መጠን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ግድን ክትግበር ኣለዎ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክሳብ ዘይረኸበት ግን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ርጋኣት ክረክብ ኣይኮነን ክብል ምግላጹ፡ መንግስቱ ነቲ ናይ ባሕሪ ኣጀንዳ ክገድፎ ከምዘይኮነ’ዩ ዘነጽር።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ነዚ ዝገለጸ፡ ምስ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ETV ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ ክፋላት ቃለመሕትት ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ምትራፋ፡ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪያዊ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጸቕጢ ከም ዘሕደረን፡ ዓቢ ጉዳኣት ከምዘውረደን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዚ ሽግር እዚ ንምፍታሕ፡ ኢትዮጵያ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ዘልዓለቶ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ባሕሪ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝፈጠሮ ስግኣት፡ ዝምድና እታ ሃገር ምስ ኩለን ሃገራት እዚ ዞባ ላሕሊሑ ምህላዉ ውን ዝንገር።
ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ወገን ጉጅለ ህግደፍ ክወሃብ ዝጸንሐ ወግዓዊ ግብረመልሲ፡ መግለጺታት ኢትዮጵያ ታሪኽ ኣዘንቢዑ፡ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝዳፈር ተዅታኲ ምዃኑ ዘመልክት ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምሉእ ብምሉእ እንተ ዘይተበትከ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ደማዊ ኲናት ከይውላዕ ዓቢ ስግኣት’ዩ ተፈጢሩ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ እትኣክል ሃገር፡ ካብ ባሕሪ ርሒቓ ክትነብር ናይ ህልውና ጉዳይ’ዩ ዘበልናዮ፡ ሕጂ ዝዀነ ሰብ ብቐሊሉ ዝርድኦ ኮይኑ ይመስዓኒ ብምባል፡ ንጽልዋ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ከም ምኽንያት ዘቀመጠ ዶር ኣብይ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ብመንጽር ሎጂስቲክስን ንዘስዕቦ ጸገማትን ውን ብዝርዝር እኳ እንተገለጸ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣቃልቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምስራቅ ዝግበር ድራማ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።