ሎሚ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ: ሃብታም ዝብሃል ዜጋ እኳ እንተዘየለ: ውሑዳት ወልቀሰባት ግን ብደምን ርሃጽን ካልኦት: ማዕረ ሃብታማት ዓለምና ከምዝነብሩ ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ: ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ሃብታም: ማእከላይ: ታሕተዋይ ዝብሃሉ ቀጸላታት (ደርቢታት): ሕብረተሰብ ከምዝሃሰሰ ክኢላታት ቁጠባ ናብ ኤሪፒኤም ዝለኣኽዎ ጽሑፍ ገሊጾም።
ብመሰረት ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ገምጋም ናይቶም ክኢላታት: ኣብዚ እዋንዚ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብማዕረ ብዘይ ሕጊ ይግዛእ: ይስደድ: ብቁጠባዊ ጉዳያት ጉጅለ ህግደፍ ይዕብለል: ኣብ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይቑረን: ስራሕ ኣልቦን ብሓዋላ ይነብርን ስለዘሎ: ፍልልይ መነባብሮን እቶትን ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑ የነጽር።
ይኹን እምበር: ስድራ ቤት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ እሙናት ካድራትን ነጋዶን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን: ብሕልና ኣልቦ ሃብቲ ህዝቢ ስለዝዘምቱ ኣብ ሕብረተሰብ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ኣይንታዮምን ኢዩ።
እዞም ብቁጽሪ ሒደት ዝኾኑ ባልዕ ሕብረተሰብና: ካብ ኢማራት: ስዑድያ: ቻይናን ካልኦት ዕዳጋታትን ብዝጠልብዎ ጸሓያዊ ጸዓት (Solar System) ኣብ መንበሪ ቤቶም ዝሃነጽዎን ዝገዝእዎን መዕቆሪ ማይን: እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይን ኣገልግሎት መብራህትን ኣይጽገሙን ኢዮም።
ብተወሳኺ ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣልግሎትን ካብ ስግረዶብ ዝሰግሩን ካልእ ዘይሕጋዊ ኣገባብን ዝኣከብዎ ኣሽሓት ዶላር: ቁጠባዊ ጸገማት ስእነት መንበሪ ኣባይትን መጓዓዝያን የብሎምን።
ጉጅለ ህግደፍ ነቶም ኣብ ምጭፍጫፍ ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ መሳርሒ ዝኾንዎ ከድዓትን ስሱዓት: ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ዝተመንዝዐ መንበሪ ኣባይትን ንንግዲ ዝኸውን ህንጻን መሬትን ከምዝዕድሎምን ካልእ ሓለፋታት ከምዝገብረሎምን ይፍለጥ።
ሎሚ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ: ሸቂሉ ድራር ዕለቱ ዝረኸበለን ፋብሪካታትን ንግዳዊ ትካላትን ስለዝዓነዋን ናይ ብሕቲ ወፍሪ ስለዝተዳኸመን ዝርካቦም ሰብ ጸጋ ስለዝተሰዱን: ዝበዝሕ ኤርትራዊ ተጸባዪ ዘይረብሕ ኩፖንን ሓዋላን ኮይኑ ካብ ኢዱ ናብ ኣፋ ሕሱም ህይወት የሕልፍ ኣሎ።
ልዕሊ 1000 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕሪ: ክልተ ወደባት: ማዕድናትን ፍርያት ባሕርን መስሕብ ወጻእተኛታት ዝኸውን ታሪኻዊ ቦታታትን ምቹእ ኩነታት ኣየርን: ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬትን ካልእ ጸጋታትን ዝውንን ህዝቢ ኤርትራ: ብድኽነት ክሳቐን ክስደድን ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ስግንጢርን ኢዩ።
ደም ከፊሉ ዝስተ ማይ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ: ኣብ 21 ክፍለ ዘበን: ቁራስ እንጀራ: መጽለሊ ቤት: ፈውሲ ርእሲ ከኒና: ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ክሕርሞን ኣብ ጸልማት ክነብርን: መብሰሊ መግቢ ክኽልከልን ጉድጉዶ ክገዝእን: ብእግሩ ክጓዓዝን ኣብ መደበራት ኣውቶቡስ ብመስርዕ ሳልስቲ ክጽበን ቅቡልን ውርደትን ስለዝኾነ: ካብ ግዳይ ጾር ጉጅለ ህግደፍ ንምንጋፍ እታ መፍትሒ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኢያ ዘላ።