ኤርትራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ንስግረ-ዶባዊ ጭቆና፡ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ከምዘቆመን፡ እቲ ዝቆመ ሓድሽ ሓይሊ ዕማም፡ ህግደፋዊ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ንምምካት ሓባራዊ ውሁድ ሓይሊ ክፈጥር ከምዝኮነን፡ ብመንገዲ ወግዓዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘፍለጠ ወኪል ኤሪፒኤም ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ኣብ 30 ሚያዝያ 2026 ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ኣንጻር ስግረዶባዊ ጭኮና፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝረአ ዘሎ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ንምቅዋምን፡ ግቡእ መግትኢ ንኽግበረሉ ብምሕሳብን፡ ብኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ተተኺሉ ዝቆመ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ስርሑ ብዓወት ንምክያድ መንገዲ ጀሚሩ ምህላዉ ውን’ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
እዚ “ኤርትራዊ ሓይሊ-ዕማም መኸተ ንስግረ-ዶባዊ ጭቆና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ስም ዝቖመ ሓባራዊ ሓይሊ-ዕማም፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበረኸ ንዝኸይድ ዘሎ ምዝመዛን፡ ብውልቀመላኺ ስርዓተ-ምሕደራ ህግደፍን ልኡኻቱን፡ ንዝካየድ ዘሎ ጸረ ኤርትራውያን ምንቅስቃሳትን ንምቅላስ፡ ከሙኡ ነቲ ብማሕበረኮማትን ካልኦት ኣብ ዳያስፖራ ዝርከባ ትካላትን ዝፍጸም ዘሎ ስግረ-ዶባዊ ናይ ጸቕጢ ዓመጻት ንምግጣምን ዝካየድ፡ ዓቢ ናይ ቃልሲ መደባት ንምዕዋትን ንምውህሃድን ክነጥፍ ሙዃኑ ኣብ መግለጺኡ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ድሮ ውን ዓበይቲ መደባት ወጢኑ ምህላዉ’ዩ ዘረድእ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓደገኛ ባህሪ ዝሕዝ ዘሎን፡ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ደልይቲ ፍትሒ ዝፍጽሞ ዘሎን ዝተወደበ ናይ ራዕዲ ተግባራት፡ ደው ንምባልን ግቡእ ግብረመልሲ ንምሃብን፡ ኣዋርሕ ዝወሰደ ዘየቛርጽ ዘተን ምይይጥን ኣብ ምክያድ ምጽንሑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ከኣ፡ ኤርትራዊ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም መኸተ ንስግረ-ዶባዊ ጭቆና ክቐውም ጌሩ ምህላዉ እዩ ዘረድእ።
ህግደፋዊ ስግረ-ዶባዊ ተግባራት ጭቆና፡ ካብ ኣስመራ ብዝፍኖ መምርሒታት ዝቕለስ፡ ብኤምባሲታት ጉጅለ ህግደፍ ተወሃሂዱ፡ ኣዚዩ ብዝተውደበ ኣገባብ፡ ብከም ራብዓይ ግንባር ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ 4G ኣባላት ዝካየድ፡ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበረኮማውን፡ ሃይማኖታዊ ትካላት ሓዊስካ፡ ክሳብ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዲጂታል መሓውራት ዝሳተፍዎ ተግባራት ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ መግለጺ፡ ነዚ ንምቅላስን ንምልማስን ክሰርሕ ምኳኑ’ዩ ዘረጋግጽ።
ብጉጅለ ህግደፍ ዝትግበር ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ፡ ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ፡ ከም ናይ ቃጻ፡ ምስርጣይ፡ ምፍርራሕ፡ ምንጻል፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ ጭውያ፡ ምስማም፡ ቅንጸላ፡ ሳይበራዊ መጥቃዕትን ካልእን ዝሓወሰ፡ ክሳብ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝርከቡ ቤተሰብ ብምብስባስ ዝካየድ፡ ኣዝዩ ሰንሰለታዊ ናይ ሽበራ መርበብ ምኳኑ ቀጺሉ ዝጠቐሰ እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ንሕጋዊ ስርዓት ቤትፍርዲ ዑቅባ ዝሃባና ሃገራት ተጠቒምካ፡ መሰረተ-ኣልቦ ክስታት ምምስራትን ካልእን ውን፡ ኣካል ናይቲ ንደለይቲ ፍትሒ ዝገጥሞም ዘሎ ብድሆታት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ብኩለመዳያዊ ቃልሲ ንምስዓሩ ክሰርሕ ምኳኑ’ዩ ዘረድእ።፡
ኣብ መደምደምታ፡ ነዚ ሓበራዊ ዕማም እዚ ንምዕዋትን ንምምካትን ዘኽእል ሓበራዊ ሓይሊ ብምፍጣር፡ ኽመጾ ንዝኽእል በደላት ህግደፍ ንምምካት ስርሑ ጀሚሩ ከምዘሎ ዘፍለጠ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ፡ በብእዋኑ ምዕባለታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓበሬታ ክህብ ምኳኑ ውን’ዩ ዘረድእ።