ፐን ኤርትራ፡ ሃለዋት ናይቶም ካብ 2001 ኣትሒዞም፡ ሞያዊ ናጽነት ተጠቂሞም ብምጽሓፎም ጥራሕ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ተጨውዮም፡ ኣሰሮም ጠፊኡ ዘሎ ግዜጠኛታት፡ ኩነታቶም ብህጹጽ ክጻረ ጠለብ ከምዘቅረበ ተገሊጹ።
ፐን ኤርትራ፡ ነዚ ልዕሊ 25 ዓመታት ኣቁጺሩ ዝርከብ ናይ ጭውያ ተግባር ብምኩናን፡ ሃለዋት ዝተጨውዩ ሞያውያን ንምርግጋጽ ኣብ ጻዕሪ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ሃለዋት ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስን ጋዜጠኛን ስዒድ ዓብደልቃድር
ዘረጋግጽ proof of life ወይ ውን ናይ ሃለዋት ኣሰር ብህጹጽ ክቀርብ፡ 5 ግንቦት 2026 Pen international pen eritrea in exile ከሙኡ ውን Pen centres worldwide ጠለብ ምቅራቦም’ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ፐን ኤርትራ፡ ሃለዋት ኩሎም ኣብ ትሕቲ ጭውያ ጉጅለ ህግደፍ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጋዜጠኛታት ንምርግጋጽ፡ ነዊሕ እዋን ኣብ ዘወሰደ ጉዕዞ ሕቶ መሰል ከይሰልከየ ኣብ ስራሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ብናይ ጋዜጠኛን ኣሰናዳእን ጋዜጣ ኣድማስ ነበር ስዒድ ጀሚሩ ዘሎ ጎስጓስ፡ ዕዉት ውጺኢት ክህልዎን ኣብ ፍረ ክበጽሕን፡ ኩሉ ግዱስ ደላዪ ፍትሒ ዜጋ ኣበርክቱኡ ክዋጻእ ዘተሓሳስብ እዩ።፡
ድምጺ ሓቅን ሓርነትን፡ ልዕሊ ጥይት ዘሰንብዶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ መጀመርታ ዓመታት ስልጣኑ ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ በደል ንምፍጻም፡ ሕቶ ዘቀምጡ ሞያውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ምህዳን ተዋፊሩ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድምጺ እንዳዓፈነን፡ ዜጋታት እንዳጨወየን ይነብር ምህላዉ፡ ንረዓዲ ባህርያት እቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ ዝምስክር እዩ።