ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተከሲቱ ዘሎ ግጭት፡ ከም እንደገና ክላዓል ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ኣብ ሰማያት ኢራን ናይ ዝበራ ኣውሮፕላናት ቁጽሪ ብዓቢ ደረጃ ነክዩ ምህላው ተገሊጹ።
ኣብ ሰማይ ወሽመጥ ዓረብ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኤሌክትሮኒክ መራኸቢታት ንሰማያት ኢራን ጸጥ ክብል ጌርዎ ምህላዉ፡ ተንተንትን ተዓዘብትን ፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ዞባ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብፍላይ ምቁራጽ ኤሌክትሮኒክ መራኸቢታት፡ ምስ ወታደራዊ ምድላዋት ክተሓሓዝ ከም ዝኽእል ብምግማት፡ ብዙሕ ቁጽሪ በረራታት ካብ ሰማያት ኢራን ክርሕቅ ተቀሲቡ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
እዚ ኩነታት ዝተፈጥረ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንጉዳይ ኑክሌራዊ መደባት ኢራን ኣመልኪቱ፡ ናብ ኢራን ዝቐንዐ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ ኮይኑ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዘይሰልጥ እንተኾይኑ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ናብ መጥቃዕቲ ክምለሱ ምዃኖም ምግላጾም፡ ኣብ ብዙሓት ስክፍታ ምፍጣሩ’ዩ ዝግለጽ።
በረራ ነፈርቲ ዝከታተሉ ወሃብቲ ሓበሬታ ከምዝገልጽዎ፡ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ኣብ ሰማያት ኢራን ዝረአ ዘሎ ዋሕዲ ቁጽሪ በረራታት፡ ምስቲ ኣብ 28 ለካቲት ዝተከስተን፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምግጣሙ ዝተራእየን ዋሕዲ በረራ ከምዝመሳሰል እዮም ዝገልጹ።