ግብጺ ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ኣብ ዝደወና ኤርትራ ዩኒቨርሲቲ ክትከፍት ምዃና ዝገልጽ ሓበሬታ ተዘርጊሑ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጨንፈር ክኸፍት ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ፡ ብመንገዲ ናይ ዜና ምንጭታት ግብጺ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ግብጺ ባድር ዓብደላቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ኣስመራ በጺሑ ምስ ሰበ-ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ እዩ ዘረድእ።
እቲ ካብ ካይሮ ዝተፈነወ ዜናዊ ሓበሬታ፡ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኣብ ኣስመራ ጨንፈር ክኸፍት ምውሳኑ፡ ትካላት ምርምር ግብጺ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ንጥፈታት ዘዕቢ ትርጉም ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዜጋታት ኤርትራ ካብ ትምህርቲ ክርሕቁ ጽከኣሎ ዝቃለስ ጉጅለ ህግደፍ፡ ግብጺ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምዕባይ ኣብ ኣስመራ ጨንፈር ንክትከፍት ፍቃድ ምሃቡ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሚኒስተር ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ሳይንሳዊ ምርምርን ግብጺ ዝኮነ ዓብዱልዓዚዝ ኮንሶዋ ብወገኑ፡ ትካላት ትምህርቲ ሃገሩ፡ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዚ ዝበለ ንጥፈታት ምጅማረን፡ ፖሊሲ ግብጺ ንምስራጽን ንምስፋሕን ዝሕግዝ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ህዝቢ ኤርትራ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክርሕቀሉ ኩነታት ክፈጥር ድሕሪ ምጽናሕ ንግብጺ ፍቃድ ምሃቡ፡ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ምኳኑ ንምርዳእ ዘኽእል እዩ።
ካብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ናይ ኣሰላልፋ ለውጢታት ክረአ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ተፋጠጥ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ግብጺ ዝጸንሖ ዝምድና ከምዝሕደስ ብምግባር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከበባ ዛኣትወሉ ኣጋጣሚታትን ዕድላትን ንምፍጣር ክሃልኽ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
መራሒ ግብጺ ኣልሲሲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ርክባት ምሉእ ብምሉእ ይቅየር ምህላዉ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ምስ መንግስቲ ግብጺ ብምኳን ጸረ ኢትዮጵያ ምንቅስቃስ ኣብ ምግባር ምጽንሑ ኣይርሳዕን።