ብጨካን ውልቀምልካዊ ንዝሓለፈ 35 ዓመታት ስልጣን ሃገር ገቢቱ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር እተካይዶ ዘላ ምርጫ ከዋርድን፡ ብናይ ኣሽካዕላል ቃላት ክውርዝን ምፍታኑ፡ ኣብ ብዙሓት ኣግርሞት ፈጢሩ።
ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ፡ ብገበናቱ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ናብ ዘይፈልጥ ውርደት ደርብዩ፡ ዋጋ ናጽነትን ዕጫ ህዝብና፡ ንሞትን ስደትን ፈሪዱ ከብቅዕ፡ ኣብ ኢትዮዕጵያ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ንማለቱ ንምምሳልን ንምትካልን ዝግበር፡ሰልፊ ብልጽግና ብዓቢ ድምጺ ዝዕወተሉ ፍሹል ድራማ እዩ ክብሎ ምፍታኑ፡ ህግደፍ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ምኳኑ ዘንጸባርቅ እዩ።
ኣብ 1997 ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ድምጺ ዝተቀበሎ ሃገራዊ ቅዋም ንዘይምትግባር፡ ኮነ ኢሉ ምስ ኢትዮጵያ ደማዊ ኲናት ዝወለዐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሎም ሉኡላውያን ህዝብታት ዓለም፡ ናብ ዕብየትን ብልጽግናን ንከይሰጋገር፡ ብናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ኣሲሩ፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኣብ ምህናጽ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ተሓታትነት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ዜጋዊ ክብረትን መሰልን ዘይብላ ሃገር ዝሰረተ ጉጅለ፡ ኢትዮጵያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንእተካይዶ ዘላ ሃገራዊ ምርጫ ከም ኣሽካዕላል ክጥምቶን፡ ክውርዝየሉን ምፍታኑ፡ ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ደልሃመት ኣሲርካ ስልጣንካ ምንዋሕ ዝብል ኣምር ዝብገስ ምኳኑ’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሽታ ዲሞክራሲ ከይለምድን፡ ዲሞክራሲ ኣብ ምልምማድ ብዝርከባ ሃገራት ከይቀንእን፡ወትሩ ንዲሞክራሲያዊ ጉዕዞ ንኣሽቱ ሃገራት ከቆናጽብ ዝረአ ኮይኑ፡ ከም መቀጸልቱኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ምርጫ ንከናሹ ናይ 03 መሓውራቱ ተጠቂሙ ኣብ ምውርዛይ እኳ እንተቀነየ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ሽጣራ እቲ ዝበለየ ጉጅለ ነቂሕሉ ምስ ምህላዉ፡ ህግደፍ ኣብ ትዕዝብቲ ይተርፍ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ኣብ መዓልቲ ሉኡላውነት ኤርትራ ዘስምዖ መደረ ንባዕሉ፡ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ንዘይምስካምን፡ ንምህዳምን ዝተሓርየ ኣተሃድማ ዕቡያት ኮይኑ፡ እቲ ኩሉ ዓይነት ገበናት ዝፈጸመ ጉጅለ፡ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ጉዕዞ ኪንዮ ሎሚ ትርጉም ክህልዎ ከምዘይኮነ እዩ፡ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ።