ኣብ ኲናትን ወረ ዂናትን ተሓቢኡ ጥራሕ ክነብር ዝኽእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ’ቲ ኣብ ትግራይ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ዝርከብ ውድብ ህወሓት ኣቢሉ፡ ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል መጠነ ሰፊሕ ኲናት ንምኽፋት ኣብ መደብ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መቐጸልታ ናይዚ እኩይ ተግባራቱ፡ ኣብ ግንባር ዛላምበሳ ንዝነበረ ዓቕሚ ኣጋር ሰራዊት መሊሱ ይድርዕን፡ ከበድቲ ኣጽዋር የግዕዝ ምህላዉን ምንጭታት ኤሪፒኤም ካብቲ ከባቢ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
ምንጭታት ኤሪፒኤም ኣብ ሓበሬታኦም ፡ ብወገን ትግራይ ምስሊ ጉጅለ ህግደፍ ንምጽዕዳው ተባሂሉ፡ ኣብ ዛላምበሳን ከባቢኡን ዝነበረ ሰራዊት ናብ ውሽጢ ከምዝሰሓበ ኣምሲልካ ዝንዛሕ ወረታት፡ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝረአ ቂምን ቅርሕንትን ህግደፍ ንምቅናስ ተባሂሉ ዝተሰንዐ ምዃኑን ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሎሚ ንዝነበረ ዝተወሰነ ዓቕሚ ሰራዊቱ ንምድራዕ፡ ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ናብቲ ከባቢ የንቀሳቅስ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብሓሶትን ቅጥፈትን ጻድቕ ክመስል ዝደሊ፡ ጸረ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣብ ሓበሬታኦም ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቲ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ካብ ዛላምበሳን ከባቢኡን ሰራዊት ኣግዒዙ ዝበሃል ጌጋ ሓበሬታ ውን እንተኾነ ፡ ስም ናይቲ ጉጅለ ንምጽዕዳው ዝግበር ጽሓይ ዝወቕዖ ምስጢር ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ዛላምበሳ፡ ዓዲ ሓቂ፡ ኣግዓ-ጥርቀ፡ ኣብጠስነ፡ ከምኡ ውን ኣብ ኢንገልን ጠቕላላ ጣብያ ዓጋራለ-ኮማን ዘሎ ሰራዊት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብ ዝነበሮ ቦታ ፍሕት ከምዘይበለ ዘረጋገጹ ምንጭታትና፡ ካብዚ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ ውን ተወሰኽቲ ኣሃዱታት ናብቲ ከባቢ የጸግዕ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ሰላም ክነብር ዘይክእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፌደራል ደማዊ ኲናት ንምግጣም ኣብ ተዳሎ ምህላዉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ብመንገዲ ዘይወግዓውያን ኣፈኛታቱ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንወራር ይዳሎ ስለዘሎ ንዝምዝገብ ተወሳኺ ቁጽሪ ሰማእታት
ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንዝቀደሙ ሰማእታት ኲናት ትግራይ ክነግር ከምዘይኮነ ውን ቀዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ።