ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ዘለዋ ስማውያን ሃገራውያን ማሕበራት: ሕሰም ህዝብና እንዳናውሓ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ከምዝሕልዋ ተሓቢሩ።
ምምሕዳር ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝመስረቶም ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ: ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ: ሃገራዊ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራን: ኣብ ጎድኒ ጉጅለ ህግደፍ ተሰሊፉ ጭቆና ህዝብና የኽርር ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።
እዞም ሃገራዊ ዝብል ስም ዘለዎም ሰለስተ ማሕበራት: ዋላ’ኳ ኣብ ወረቀት ዝሰፈረ ማሕበር ዝምርሓሉ ቅዋምን ሕግታትን እንተለዎ: ብተግባር ግን ንመሰል ኣባላቱን ዝቆመሉ ዕላማን ኣብ ክንዲ ዝጣበቕ መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝኾነ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ እቶም ስማውያን ሃገራውያን ማሕበራት: ዝተበገሰሉ ዕላማታት ጎስዮም: ዕድመ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ዘደልድል ጎስጓሳት ምክያድ: ገንዘብ ምእካብን ንህዝብና ምስላይን’ዩ ተዋፊሩ ዝርከብ።
ኣብ ሃገራዊ በዓላት :ፈስቲቫላትን ካልእ ኣጋጣሚታትን: ሓደ ክልተ ሕልና ኣልቦ ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንጉጅለ ህግደፍ ዝውድስ ጭርሖታት ምጉዋሕን ምስሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተሰኪምካ ምዝላልን ልሙድ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ሃገራዊ ዝብል ስም ዝተጠመቃ ማሕበራትን ምጥርናፍ ሞያውያንን እንተሎ: ቀንዲ ዕላምኡ ግን ምእካብ ገንዘብን ጉጅለ ህግደፍ ዝሃቦ መደብ ስራሕ ምትግባርን ኢዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ስደት ብስም ራብዓይ ግንባርን ውዳበታት ጉጅለ ህግደፍን ኣስማት ዘለወን ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን: ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታን ኣኼባታትን: ዘመተ ጽልኢ ዝጉስጉሳን “ሃገርና ጽቡቕ ኣላ” ኢለን ንሓቂ ዝዓብጣን ብቃንዛ ህዝብና ዝላገጻን ኢየን።
ኣብ ሃገርና ቅዋማውን ተሓታትነትን ዘለዎ ህዝባዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከል:ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ናጽነት ብማሕበራት ምጥርናፍን መሰል ዜጋታት ምሕላውን ኣይከኣልን ኢዩ።