ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ 20 ነሓሰ 2026 ኣብ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝፈጸመን፡ በቲ መጥቃዕቲ 13 ሰባት ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓለበ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ህጻናት ዝርከብዎም 13 ግዳያት ናብ ኣይደር ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን፡ ከቢድን ፈኲስን ማህረምቲ ከምዝበጽሖም’ዩ ዝንገር።
እቶም ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝወረዶም ግዳያት ድሮን፡ ከባቢ 11፥30 ቅድሚ ቀትሪ ናብቲ ሆስፒታል ከምዝበጽሑን፡ መጥባሕቲ ዝተሓወሶ ኣገልግሎት ሕክምና ከምዝተገበረሎምን ሆስፒታል ዓይደር ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብቶም በቲ ደብዳብ ጉድኣት ዝበጽሖም ህጻውንቲ፡ ኣርባዕተ ኣሕዋት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ምዃኖም’ዩ ዝገልጽ።
እቶም ኣሕዋት ህጻናት ወዲ ሰለስተ ዓመት ዮናታን ሓድሽ ፡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ተመስገን ሓድሽ ፡ ጓል 11 ዓመት ሶልያና ሓድሽ ፡ ጓል 13 ዓመት መድሓኒት ሓድሽን ምዃኖም ዝጠቐሰ ዓይደር ሆስፒታል፡ ብተወሳኺ ወለዲ እዞም ህጻናት ዝኮኑ ኣቦ፡ ኣደን እንሓጎን ሓዊስካ ፡ ብጠቕላላ ሸውዓተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ግዳይ ከምዝኾኑ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ደብዳብ ዝተፈጸመሉ ቦታ፡ ሰፈር መማህራን ተባሂሉ ዝፍለጥ መማህራን ዝነብርሉ ሰለማዊ ቦታ ምዃኑን ፡ ምስ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከምዘይብሉን ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡
ጓል 11 ዓመት ህጻን ሕልና ውን፡ ካብ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ (language school) ወጽያ ናብ ገዝኣ ኣብ እትምለሰሉ ዝነበረት ሰዓት ግዳይ እቲ ደብዳብ ምዃና’ዩ ዝግለጽ።
ነዚ መጥቃዕቲ ስዒቡ ወግዓዊ መግልጺ ዝሃበ ውድብ ሳልሳይ ወያነ፡ ብስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ደቂ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ደቂ ትግራይ ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐን፡ ጭቡጥ ሓበሬታ ካብ ትካላት ሕክምና ከምዝረኸበን ድሕሪ ምጥቃስ፡
እቲ ደብዳብ መቐጸልታ ናይቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባትን ትካላትን ትግራይ ዝፍጽሞ ጭካነን፡ ገበንን ስርዓታዊ ሽበራን ምዃኑ፡ ካብቲ ብዕላማ ዝደብደቦ ቦታ ምርዳእ ከምዝከኣል ገሊጹ።
እዚ ተግባር እዚ፡ ቅሉዕ ገበን ኲናትን መቐጸልታ ጸረ ትግራይ ፖሊሲ ስርዓት ኢትዮጵያን ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ነቲ ከይመጽእ ንፈርሖ ዘለና ኣዕናዊ ካልእ ዙር ኲናት ዘጋድድ እዩ ዝበለ ሳልሳይ ወያነ፡
ስርዓት ኢትዮጵያ ካብ ጸረ ሰላም ተግባራቱ ክቚጠብ ብምጽዋዕ፡ ንስድራ ግዳያት ዘለዎ ናይ ሓዘን መልእኽቱ ገሊጹ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ ብወገኑ፡ ባህግን ባህርን፡ ግብርን መፈጠርን ሃጸያዊት ኢትዮጵያ፡ ትግራይን ተጋሩን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ከምዝኾነ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ’ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኢትዮጵያ “ትግራይ ከም ቢያፍራ!” ኢላ ብቕሉዕ ኣብ ኣደባባይ ብኣጽናቲ መራሒኣ ኣዊጃ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኑ።
ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ምፍጣጥ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ካልኣይ ኲናት ክውላዕ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ብኸቢድ ዝፍራሕ ኮይኑ፡ ኲናት እንተተወሊዑ ህላውነት ኢትዮጵያ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ከምዝኽእል’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።