መንግስቲ ኖርወይ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዜጋዊ መሰል ረኺቦም ክነሶም፡ ምልኪ ኣብ ምኹሓልን፡ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቅንጃውን ተጸሚዶም ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ደገፍቲ ምልኪ፡ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ መስርሕ ምጽራይ ኣብ ምክያድ ተጸሚዱ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ዜግነት ሽዱሽተ ደገፍቲ ምልኪ ብምስራዝ ካብታ ሃገር ክሰጎም ኣብ ውሳነ ምብጽሑ ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ደገፍቲ ምልኪ ብመንግስቲ ኖርወይ ተዋሂብዎም ዝጸንሐ ዜጋዊ መሰል ክስረዝ ኣብ ውሳነ ከምዝተበጽሐ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሽዱሽቲኦም ደገፍቲ ምልኪ ካብ ነርወይ ክወጹ ብመንግስቲ ኖርወይ ከምዝተነግሮም እዩ ዝግለጽ።
ብዕለት 19 ነሓሰ 2026 (NRK ) ኣብ ዝተሰምየ ማዕከናት ዜና ኖርወይ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኖርወይ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ደገፍቲ ምልኪ ንዝተበጽሐ ውሳነ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ቤት ጽሕፈት ኖርወይ (UDI): ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ይምርምርን ይሰርሓሉ ምህላው’ን እዩ እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ዝገልጽ።
ገለ ገለ ተበለጽቲ ደቂ ሃገርን፡ የእምሮኦም ብህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስነሓሳብ ዝተበልዐ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ብጉጅለ ህግደፍ ተዋሪዶም ሃገር ከምዝገደፉ ንዝገልጽ ቃሎም ዘንጊዖም፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምድጋፍን ገበናቱ ኣብ ምኽዋልን ተጸሚዶም፡ ብስቓይ ህዝብና ክጻወቱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኖርወይ ክልተ መንነት ሒዞም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ደገፍቲ ምልኪ ወሲዳቶ ዘላ ኣራሚ ስጉምቲ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ክስዕቦኦ እንተጀሚረን ዕምሪ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምሕጻር፡ ቀሊል ዘይበሃል ኣበርክቶ ክህልዎ ከምዝኾነ’ዩ ዝንገር።