ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 2024 ዝወደቦ ፌስቲቫል ጽልእን ጎስጓስ ኲናትን፡ ብተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ከም ዝተበተነን፡ ገዚፍ ገንዘባዊ ክሳራ ከምዝወረዶን ብምጥቃን፡ ኣብ ልዕሊ 13 ደለይቲ ፍትሒ ከምኡ ውን መንነቶም ዘይተነጸረ 150 ኤርትራውያን፡ ክሲ መስሪቱ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ዝወሰደ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ተዋሪዱ ተሳዒሩ ከምዝወጸን ዘቕረቦ ናይ ጠቐነ ጥርዓን ኣብ ማይ ከምዝኣተወን ተኸሰስቲ ደለይቲ ፍትሒ ኣረጋጊጾም።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዕለት 17 ነሓሰ 2026 ዝተዋህበ ውሳነ፡ ፌደራላዊ ቤትፍርዲ ስያትል፡ እቲ ብስም ማሕበረኮም ኤርትራውያን ስያትል ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ዝተመስረተ ክሲ፡ ብቀዋሚ ክስረዝ ውሳነ ከምዘሕለፈ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ኤርትራ ንዝሰጎጎም ዜጋታት ኣብ ስደት ውን እግሪ እግሮም ብምስዓብን ስግረዶባዊ ጸቕጢ ብምፍጣርን ስልጣኑ ከጽንዕ ዝቃለስ ጉጅለ፡ ብዘይ ዝኾነ ፍረ : ውርደት ተሰኪሙ ከምዝወጸ’ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ዝመስረቶ ናይ ጠቐነ ክሲ፡ ናይ ክልተ ዓመት ከቢድ ወጻኢታት፡ ድኻም፡ ጻዕርን፡ ረዚን ናይ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ጉዕዞ ሰጊሩ ኣብ ዓወት ምብጽሑ፡ ንኹሉ ደላዪ ፍትሕን ተቓለስቲ ብርጌድ ንሓመዱን የውሃና ዝበሉ እቶም ተቓለስቲ ፡ ኣብ ስያትል ዝተኸስተ ፍሽለት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣስመራ ክሳብ ዝረጋገጽ፡ ኩለንተናዊ ቃልሶም ኣበርቲዖም ክቕጽሉ ምዃኖም’ዮም ዘረጋግጹ ።፡
ተዓጽዩ ዘሎ ክሲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኪንዮ ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ዓለምለኻውያን መድረኻትን፡ ማዕከናት ዜናን፡ ብዛዕባ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ መሰል ፖለቲካዊ ንጡፍነትን ጋዜጠኛነትን፡ ከምኡ ውን ኣብ ጉዳይ ስግረዶባዊ ዓመጽን ካልእን፡ ብዙሕ ዕቱብ ዛዕባታት ኣልዒሉ ምህላው ውን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዝገጠመና ብድሆ ብዘየገድስ፡ ኣንጻር ምፍርራህን ራዕድን ጉጅለ ህግደፍ ዝገጠመ ሓቀኛ ቃልስና መልሲ ምርካቡ፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ንደለይቲ ፍትሒ ጸባ ዘስተየን፡ ጉልባብ ጉጅለ ህግደፍ ዝቀልዐን ፍጻመ ምንባሩ’ዮም ዝጠቕሱ ።
ቤትፍርዲ ውሳነ ዘይሃበሉ ጠለብ ከም ዘሎን፡ ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ውን ብኣኽብሮት ንከታተሎ ኣለና ዝበሉ እቶም ተቓለስቲ፡ ጠበቓታትና ናይ ወጻኢታት ርብርብ (war of attrition) ኢሎም ንዝገልጽዎ ከቢድ መኸተ ክንዕወተሉ ዘኽኣለና ደላዩ ፍትሒ ህዝብና ነመስግን ድሕሪ ምባሎም፡ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣመሪካ ከም ትካል፡ ኣባላት ባይቶ ከኣ ብውልቆም ንዝገበርዎ ዓቢ ገንዘባዊ ድጋፍ ወፈያን ሓገዝን፡ ልባዊ ኣኽብሮት ከምዘለዎም’ዮም ዝገልጹ።
ብዘይካ’ዚ ካብ ኩለን ዓበይቲ ምንቅስቓሳት ዝተዋጽአት፡ ንስግረዶባዊ ዓመጽ ትቃለስ ሓይሊ ዕማም “ትራንስናሽናል ሪፕረሽን”፡ ከተካይዶ ዝጸንሐት ስራሕ፡ ተቓለስቲ ከተማ ሲያትል ዘበርከትዎ ገንዘባዊ ድጋፍ፡ ኣብ ግዜ መገሻ ዝተገብረ ስድራቤታዊ ምሕብሓብ፡ ብዑደት ዝተበጽሓ ከተማታት ዝገበርኦ ወለንታዉ ሓገዛት፡ ብርጌድ ንሓመዱ ኣመሪካ፡ ትካል ግሎባል ይኣክል፡ ፈልሲን ካልኦትን ዘርኣይዎ ኩለንተናዊ ተጋድሎ ፍሉይ ምንባሩ ዝጠቐሱ ሰብ ጉዳይ ደለይቲ ፍትሒ፡ ንኹሉ ዝተገብረሎም ሓልዮትን ምንክብኻብን ኣመስጊኖም።
ዝለዓለ ወፈያ ዘበርከቱ ሰብ ጸጋ፡ ካብ ዝርካቡ መጠወሪ ትሕዝቶኦም ብርህራሄን መትከልን ዝለገሱ ገዳይም ተቓለስትን ወለዲን፡ ዝከኣሎም ዓቕሞም ሰብ ሕልናን መትከልን፡ ኮታ ንኹሉ ካብ ጉልበት ክሳብ ገንዘባዊ ደገፋቱን ሞያዊ ኣበርክቱኡን ዝተዋጸአ ሓላፍነታዊ ዜጋ ዘመስገኑ እቶም ተቓለስቲ፡ ትርጉም ደላዪ ፍትሒ እንታይ ምዃኑ ብተግባር ንዘርኣይዎ ተሳትፎ ዝዓዘዘ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብ መደምደምታ፡
ንጥፍኣትና ዝዘመሩን ኣሽሓት ገንዘብ ዘዋጽኡን፡ “ሂወቶም ክንዘርጎ ኢና”፡ “ቁሊሕ ኢሎም ከም ዘይርእዩና ክንገብሮም ኢና” ንዝበሉ ደገፍቲ ምልኪን ለኣኽቶምን፡ “ከሲርኩም”፡ “ፈሺልኩም”፡ “ድምጽና ኣይተዓበሰን፡ ኣይክዕበስን ድማ ኢዩ” ክንብሎም ከለና ሓበን ይስመዓና ድሕሪ ምባሎም፡ ኣብ ስያትል ዝተዋረደ ረጋጺ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ መሬትናን ኣብ ቅድሚ ህዝብናን ዝዋረደሉ ሰዓት ንምቅልጣፍ ቃልስና ኣበርቲዕና ክንቅጽል ተላብዮም።