ሶማል ኣብ ወጥሪ ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸግዒ ከምዘይትወስድ ኣፍሊጣ።
ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ሓሰን መሓመድ ዓሊ፡ ሃገሩ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝርአ ዘሎ ወጥሪ “ዘይሻራዊት” ምዃና ገሊጹ።
እቲ ሶማላዊ በዓል ስልጣን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዓሰርተ ሓደ ጥቅምቲ 2026፡ ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኮይኑ፡ “መርገጺ መንግስቲ ሶማል ሰላማዊን ዘይሻራዊን” ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሶማል ወገናዊ መርገጺ ከምዘይትወስድ ኣነጺሩ።
ሶማልያ፡ ምስ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ታሪኻዊ፡ ጂኦግራፍያውን ሃይማኖታውን ርክብ ከምዘለዋ ወሲኹ ዝጠቐሰ እቲ በዓል ስልጣን፡ ሞቓዲሾ “ኣብዚ ዞባ ንዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ትከታተል ኣላ ድሕሪ ምባሉ፡ ናይ ገዛእ ርእሳን ዞባዊ ረብሓታታ ንምሕላው ትሰርሕ ምህላዋን፡ ወገናውነት ከምዘይትመርጽን’ዩ ዘነጽር።
ምስ ኩለን ሃገራት ጽቡቕ ዝምድና ኣለና፡ ኣብዚ መዳይ ዝተቐየረ ነገር የለን ዝበለ እቲ ሶማላዊ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምሕላው፡ ጥንቃቐ ከምዝመረጸትን፡ ወገን ሒዛ ከምዘይትዋሳእን ኣፍሊጡ።
ሶማልያ፡ ብኣርባዕተ ጥቅምቲ 2026 ኣብ ግብጺ ኢል ዓለሜን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን፡ መርገጺ ናይተን ብሰንኪ ግድብ ሕዳሴ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክርክር ዝርከባ ሱዳንን ግብጽን ብምድጋፍ፡ ኣብ ስግረ-ዶባዊ ሩባታት ዝምልከቱ ኣህጉራዊ ሕግታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ መግለጺ ኣውጺኣ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ጉዳይ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ወገን ካብ ምሓዝ ክትቍጠብ ምምራጻ’ያ ተረጋግጽ።
ኣብቲ ዋዕላ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣል ሲሲ፡ መራሒ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ተሳቲፎም ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣርባዕቲአን ሃገራት ኣብ መግለጺአን፡ መሰል ናጽነት ጉዕዞ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠቒሰን፡ ምሕደራን ምቁጽጻርን ማያት ቀይሕ ባሕሪ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ብሕታዊ ሓላፍነት ናይተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ከምዝዀነ ኣነጺረን ምንባረን’ውን ኣይርሳዕን።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈጠረ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን ዝወጸ መግለጺ እተን ኣርባዕተ ሃገራት፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ናይ ጽምዶ ተበግሶ ብምዃን ፡ ዓቢ ፖለቲካዊ ዓወት እኳ እንተመሰለ፡ ሶማል ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ኣብ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ ዘይሻራዊ መርገጺ ክትወስድ ምምራጻ ግን፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዓቢ ጽፍዒት’ዩ።