ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኵናት ጥራይ ክሓስብ መምርሒ ኣውሪዱ ምህላዉ ተገሊጹ።
ንልዕሊ 35 ዓመታት ብዘይ ቅዋም፡ ምርጫን ህዝባዊ ባይቶን ንህዝቢ ኤርትራ ዝረገጸን ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ዘህለቐን ጉጅለ ህግደፍ፡ ገበናቱ ንምሕባእን ስልጣኑ ንምዕቃብን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኵናትን ስግኣትን እንዳሓሰበ ንመኸተ ጥራሕ ክዳሎ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ተገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነታቱን ውሽጣዊ ጉዳያቱን መታን ክርስዕ ቀጻሊ ዝኣልሞ ኵናት፥ ንህሉው ተጻብኦን ሕቶ ምውናን ኣፍደገ ባሕርን ኢትዮጵያ መመኽነይታ ብምምሃዝ ንመኸተን ህልቂትን ክዳሎ ኣዚዙ ምህላዉ ዝጠቕሱ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ህዝብና ኣብቲ ጉጅለ ዝነበሮ ቁንጣሮ ተስፋ’ውን ብምጽንቃቑ፡ ድሌት እቲ እኩይ ጉጅለ ፍረ ይርከቦ ዘይምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ቀዳማይ ጸላኢ ኤርትራ ዝሕሰብ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብ 2018 ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ኣይከሰርናን ወዘተ ብዝብል ናይ ክሕደት መግለጺታት ዝተወደሰን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለን ስምምዕ ሰላም ዝኸተመን ብምዃኑ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ብልጽግና ውን እንተኾነ ካብ ህግደፍ ዝጽበዮ ነገር ዘይምህላዉ ዝጠቕሱ ምንጭታትና፡ ጻዕረ ሞት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ይወሃቦ ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ብዝተወልዐ ኵናት፡ ኢትዮጵያ ንከይትበታተንን ጃንዳ ወያነ ንምጥፋእን ብምባል ኣሽሓት ኤርትራውያን ምስ ሰራዊት ሰልፊ ብልጽግና ኣሰሊፉ ገበን ዝፈጸመ ጉጅለ ህግደፍ፡ ስዕረት ህወሓት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፍናን ከይፈጥር ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ብልጽግና ዝተወደበ ክቱር ናይ ስግኣት ዘመተ ኣብ ምክያድ ምህላዉ ወሲኾም ዝጠቐሱ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክመጸና ዝብል ስምዒት እንዳዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ፡ እቲ ጉጅለ ህዝቢ ምስኡ ዘይምህላዉ ክርዳእ ይግደድ ምህላዉ’ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፥ ነታ ህዝባ ናብ ስደት ዝተበታተነ ቁጠባኣ ዝዓነወን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሓረማን ኤርትራ ከመሓድር ተጸጊሙ ክንሱ፡ ንኲናትን ዕንወትን ዝውዕል ገንዘብ ክእክብን፡ ሓንጎል ኤርትራዊ ክምርዝ ዘበግሶ ሃቐና ፡ በቶም ህግደፍ ዝወልዖ ሓዊ ዘይጸልዎም ኣብ ደገ ዝነብሩ በለጸኛታት ደቂ ሃገር ተደጊፉ እንክትርኢ ኣዝዩ ዘሕዝን ክስተት ምዃኑ ወሲኾም ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ህግደፍ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ብምብታኹ፡ ካብ ሕጂ ንኔው ዝውላዕ ሓዊ ክልብልቦ እምበር ከድሕኖ ከምዘይኮነ’ዮም ዘረጋግጹ።
ሓላፍነትን ቀዳምነታትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝኣጉዶ ዘይምልከቶ ኩናት ካብ ምህላቕ ብምርሓቕ ፡ ምምንዛዕ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ልኡላዊ ሃገርነት ኤርትራ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ዝበሉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ፖሊሲ ዘይብሉ ጉጅለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብስም ጽምዶ መስሪትዎ ዘሎ ዘይቅዱስ ኪዳንን ናይ ኩናት ክተትን፡ ፍጹም ጥፍኣትን ዕንወትን ህዝቢ ኤርትራ ዝዕድም፡ ናይ ጽንተት ፖሊሲ ምዃኑ ኩሉ ዜጋ ክርድኦ ከምዝግባእ ዘዘኻኸሩ ኮይኖም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ዝተኸስረ ግዜን ዝተጻወሮ ሕሰምን ብግቡእ ገምጊሙ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽን ጸዊዖም።
ካብ ዜናታት ውሽጢ ዓዲ ከይወጻና፡ ጉጅለ ህግደፍ ህዝብና ካብ ደቁን መቕርቡን ንዝተሓወለሉ ገንዘብ ብኣዋጅ ክእክብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ባዕሉ ብመልክዕ ሸርፊ ናብ ህዝብና ዝዘርግሖ ገንዘብ ዝተቘርጸን ዝኣረገን እዩ ብምባል ምቕባል ይኣቢ ምህላዉ ምንጭታትና ጠቒሶም ።
ጉጅለ ህገደፍ፥ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣጥሚኻን ኣደንቊርካን ግዛእ ዝብል እኩይ ፖሊሲታቱ፡ ህዝብና ካብ ወጻኢ ካብ ደቁን መቕርቡን ንዝተላእከሉ ገንዘብ ባዕሉ ኣሽሪፉ ክንሱ ፡ ኣረጊት ገንዘብ እዩ እንዳበለ ኣብ ባንክታት ምቕባል ይኣቢ ምህላዉ ዝገለጹ ኮይኖም፡ እዚ ኣካል ናይቲ ብዕላማ ህዝቢ ንምድኻም ዝገብሮ ኣረሜናዊ ፖሊሲኡ ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ ካብ ውሽጢ ዓዲ ናብ ኣገልግሎት ሳተላይት ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ፡ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ስድራን መቕርብን ንምሕጋዝ ብሓዋላ ዝልእክዎ ናይ ወጻኢ ገንዘብ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ተሸሪፉ ናብ ህዝቢ ከምዝወሃብ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ጉጅለ፡ ዝኣረገን ዝተቘራረጸን ባጤራ ናቕፋ ኣምጺእኩም እንዳበለ፡ ነቲ ባዕሉ ዝዓደሎ ገንዘብ ክመልስዎ ከምዘይክእሉ ይገብር ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።
ጸገማቱ ንምቅላል ካብ ወጻኢ ዝተሓወለሉ ገንዘብ ኣብ ምቁማት ወዲቑ ዝርከብ ህዝብና፡ ጉጅለ ህግደፍ ብትሑት መጠን ሸርፊ ዝህቦ ዘሎ ቁንጣሮ ገንዘብ ከይኣኽሎ፡ ብምኽንያት “ዝኣረገ ገንዘብ ኣይንቕበልን” ገንዘቡ ኣይሰርሕን’ዩ እንዳተባህለ ተወሳኺ ኣደራዕ ይስከም ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ እቲ ኮነ ኢልካ ቁጠባዊ ዓቕሚ ህዝብና ንምድኻም ዝግበር ዘሎ ኣነዋሪ ተግባር፡ እንኮ ዕላምኡ ስግኣት ስልጣን ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንምቕናስ ጥራሕ ምዃኑ ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ’ዮም ዝጠቕሱ ።