ጉጅለ ህግደፍን ውድብ ህወሓትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኽልቲኦም ውድባት ናይ ኲናት ስጋኣት ገጢምዎ ምህላዉ ብምጥቃስ ናብ UN ንዘቅረቦ ጥርዓን ብወግዓዊ መግለጺ ከምዝነጸግዎ ኣፍሊጦም።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ናይቲ ጉጅለ ዝኮነ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ህግደፍ ኣብ ጎኒ ህወሓት ብምኳን ክወጋኣኒ ይሸባሸብ ኣሎ ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራዊ ተኹታኽ”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ውድብ ህወሓት ብተመሳሳሊ መሰረት ኣልቦ ክሲ ምኳኑ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ የማነ ገብረ መስቀል፡ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዝቀርብ ዘሎ ክስታት ነበር ሃገር ንምምላስ ዝዓለመ ሰፊሕ ፕሮፖጋንዳዊ ወፍሪ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ንጉጅለ ህግደፍ ስም ብምጥቃስ ዝቀረበ መግለጺ ወተሃደራዊ ዕላማ ዘለዎ ጻሕታሪ ተግባራት ምኳኑ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብክልተ ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኣኽራሪ ውድብ ክብል ዝጠቀሶ ውድብ ህወሓት ብምኳን፡ ንኢትዮጵያ ክወግእ ይዳሎ ኣሎ ክብል ምኽሳሱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጌዴዎን ጢሞቴዎስ ዝተፈረመ ደብዳበ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ምስ ሓይልታት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝዋግኣሉ ዘሎ ኩነታት፡ ክልቲኦም ውድባት ነቲ ዕጡቅ ጉጅለ ይድግፉ፡ የሰልፉን ይመርሑን ኣለዉ ብምባል”ዩ ናብ ኣንቶንዮ ጉተርዝ ጥርዓን ኣቅሪቡ።
የማነ ቻርሊ፡ “ጩግራፍ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ” ዝብል ናይ ትግርኛ ምስላ ሓዊሱ ኣብ ውልቃዊ ናይ x ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ መልሲ ብተመሳሳሊ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዳግማይ ንምምላስ፡ ነቲ ብከቢድ ዋጋን ብዙሕ መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ንምድኻምን ንምጉዕጻጽን ውዲት ትገብር ምህላዋ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ UN ዘቅረቦ ክሲ ጻሕታሪ ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላጽ”ዩ ንጹግ ምኳኑ ዝጠቅስ።
ንመግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ግብረመልሲ ዝሃበሉ ውድብ ህወሓት ብወገኑ፡ ናብ ዋናጸሓፊ UN ኣንቶንዮ ጉተረዝን ካሎኦት ትካላትን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ጥሒሱ፡ ተመዛበልቲ ክመልስ ተጸጊሙ፡ እንዳሃለወ ከምዚ ዓይነት ክሲ ከቅርብ መጎታዊ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ መሬታዊ ሓድነት ትግራይ ብሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ካልኦት ዕጡቓትን ተወሪሩ ኣብ ዘለወሉ ሰዓት፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ወልቃይት፡ ዓፋርን ራያን ንዝርከቡ ዕጡቓት ይድግፍን ይውድብን ምህላዉ ብምግላጽ”ዩ ንመንግስቲ ፈደራል ከሲሱ።
ኣብ መልእኽቱ ገለ ገለ ትካላት ንወልቃይት ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ክልል ኣምሓራ ዘቐምጥ መግለጺ ይህቡ ከምዘለው ዝጠቐሰ ውድብ ህወሓት፡ ምስ ኤርትራ ተፈጥሩ ንዘሎ ሽርክነት ብዝምልከት “እቲ ብስም ጽምዶ ዝጀመረ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ዞባዊ ሰላም ኣወንታዊ ተራ ስለዘለዎን ክድገፍ ከምዝግባእን ብምጥቃስ፡ እንተኾነ ግን ፈደራላዊ መንግስቲ ብሰንኪ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣትዩዎ ዘሎ ወጥሪ ንዝምድና “ንጽምዶ” ብጽኑዕ ይቃወሞ ምህላው”ዩ ዝግለጽ።
ውድብ ህወሓት ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምልፋን ክወጋኣኒ ይሰርሕ ኣሎ ንዝብል ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምኳኑ ዝጠቀሰ ውድብ ህወሓት፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዝሰረዞ ኣፍልጦ ውድብ ህወሓት ክመልስ ብምሕታት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ኲናት ስጋኣታት፡ ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎ”ዩ ዝግለጽ።