ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ህዝቢ ብምጭዋይን ብምስዋርን ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ኣብ ከተማ ተሰነይ ጨው ቀትሪ ንሓደ መንእደይ ጨውዩ ከምዝሰወሮ፡ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
እቲ ብዕለት 29 ጥሪ 2026 ዝተፈጸመ ናይ ጭውያ ስጉምቲ፡ ኣብ ከተማ ተሰነይ ምውፋር ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ፡ ፊት ፋርማሲ ቁጽሪ ሓደ ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝገልጹ ምንጭታትና፡ ታርጋ ዘይብላ ዕጽውቲ ወተሃደራዊት መኪና ዝሓዙ ኣባላት ናይቲ ጉጅለ፡ ናብ ቦታ ስራሕ መንእሰይ ሬድዋን ሓምድ ኣድም ብምምጻእ፡ ህዝቢ እንዳረኣዮም ዓፊኖም ከምዝወሰድዎን ኣበይ ከምዛኣተወ ንጹር ድሃዩ ከምዘይተረከብን’ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ግዳይ መጭወይቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ መንእሰይ ሬድዋን ሓምድ ኣድም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ብዕጽውቲ ወተሃደራዊት መኪና ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ናይ ጭውያ ተግባራት፡ ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበረ ኩነታት ከምዘዘካኽር ዝገለጹ ምንጭታትና፡ መጭወይቲ ሓዉ ዝሰምዐ ዓወት ዝተባህለ ሓው ብህጹጽ ናብ ከሰላ ብምህዳሙ፡ ካብቲ ተሓሲብሉ ዝነበረ መጭወይቲ ምትራፉ ውን’ዩ ወሲኮም ዝገልጹ።
እቲ ጨው ቀትሪ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከተማ ተሰነይ ዝተፈጸመ ናይ ጭውያ ተግባራት፡ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ንምርዓድ ዝተመርጸ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝበል መረዳእታ ኣብ ገለ ነበርቲ እታ ከተማ ይንጸባረቅ ምህላዉ ዝጠቐሱ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ህዝቢ ከተማ ተሰነይ ብሓፈሻ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝጸንሖ ስምዒት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ባይታ ወዲቁ፡ ኣብ ቁጥዐን ነድርን ብምህላዉ፡ ካብ ራዕዲ ዝተበገሰ ተግባራት ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።
ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ልዕሊ 360 ቤትማእሰርቲ ሃኒጹ፡ ብዘይ ዝኮነ ሕጋዊ ፍርዳዊ መስርሕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጭዋይ ምስዋርን ምቅንጻልን ተግባራት ኣብ ምፍጻም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ምንጪ ኩሉ ኣረሜናዊ ተግባራቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ክለዓል ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ፍርሒ ዝነቅል ምኳኑ፡ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።