ማሕበራዊ መራኸቢታትን ማዕከናት ዜናን ጉጅለ ህግደፍ: ክብሪታት ሕብረተሰብን ሓንጎል መንእሰያትን የበላሹ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ብጉጅለ ህግደፍ ዝውነናን ዝምወላን ማሕበራዊ መራኸቢታት: ኣብ ዩቱብ: ቲክቶክ: ቪድዮታትን ዝዝርጋሕ መደባት: ክብሪታት ሕብረተሰብ የዕኑን ንሓንጎል ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ይምርዝን የበላሹን ከምዘሎ ወለዲ የማርሩ ኣለዉ።
ነበርቲ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን: እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለ ህግደፍ: ንመዘናግዒ ወይ ንመስሓቕ ተባሂሉ ዝፍኖ ዘሎ ድራማታትን: ቪድዮታትን : ጽዩፍን ኣነዋርን ስለዝኾነ: ንሓንጎል መዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያት ይብክልን ዘይስነምግባራዊ መልእኽቲ የሕልፍን ከምዘሎ ገሊጾም።
ብጉጅለ ህግደፍ እትውነን እንኮ ቲቪ ኤረ: እትዝርግሖ መደባትን ዕለታዊ ዜናን: ኣሰልቻዊ: ዝደጋገምን ንህሉዉ ህይወትን ናብራን ሕብረተሰብና ስለዘየንጸባርቕን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ስለዘየለን: ክከታተሎ ዝብህግ ሰብ ውሑድ እኳ እንተኾነ: ህዝብና ካልእ ምርጫ ስኢኑ ኢዩ ክዕዘቦ ዝግደድ ዘሎ።
ብኣንጻሩ ዓመታዊ ግብርን ካልእ ወጻኢታትን ክኸፍሉ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ብሳታላይት ዲሽ ናይ ወጻኢ ዜናታትን መደባትን ዝከታተሉን ንቲቪ ኤረ ይርድኣኺ ዝብሉዋን ብዙሓት ኢዮም።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለ ህግደፍ ዝዝርጋሕ ዘሎ መደባት: ሚዛን ዘይብሉ ጉራማይለ ቋንቋ ዘዘውትር: ናይ ቅለትን ቅተሎን ሕረዶን: ዕጸፈርስን ስኽራንን ጸርፍን ቃላት ዝተዓብለለ ኢዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ: ሕብረተሰብ ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ: ክብሪታትን እሩም ጠባያትን ሃገሮም ረሲዖም: ጎቢጦም ንኽዓብዩን መንነቶም ክርስዑን ዝደፋፍእ ምዃኑ እቲ ናብ ኤሪፒኤም ዝተላእከ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ሃገርና ንእወታዊ ክብሪታትን ሓቀኛ ታሪኽን ዘንጸባርቑ ፍርያት ስነ ጥበብ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ: ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ብምምያን ምዕፋን ናጻ ሓሳብካ ምግላጽን ምኽልካል ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜናን ኣብያተ ሲነማን ግን ተዳኺሙን ትሕዝቶኡ ተበላሽዩን ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ: ከም ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናትን ንምብትታንን ዝሰርሓሉ ዘሎ ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ሰንካም ውጥን: ወረጃ ባህሊ: መንነትን ክብሪታትን ሕብረተሰብና ምጅላሕን ምድኻምን ለይትን መዓልትን ይደፍኣሉ ኣሎ።
በዚ ኣጋጣሚ: ወለድን ኩሉኹም ኤርትራውያንን: ሰሙናዊ ሰንበት ኣብ ኤሪፒኤም ዝፍኖ ንክውንነት ሕብረተሰብና ዘንጸባርቕ መሃርን ኣዘናጋዕን መደባት ስለዘሎ ክትከታተሉ ከምእትኽእሉ ንሕበር።