ብዘይ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ ፈራዲ ኣካላት ን35 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ስማውያን ሚኒስተራት፡ ብዘይ ወግዓውያንን መዓርጎምን ኣስማቶምን ዘይፍለጡ ሰባት ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ነቶም ባዕሉ ዝሸሞምን ንነዊሕ ዓመታት ምስኡ ዝሰርሑን ሚኒስተራት ኣልሚሱ፡ ብዘይ ወግዓውያንን ስልጣኖምን ኣስማቶምን ዘይፍለጡ ውልቀሰባት ኣስኪሩን ሓለፋታት ሂቡን ንህዝቢ ኤርትራ ይረግጽን ሃብቲ ይዘምትን ከምዘሎ ኣረዲኡ።
እዞም ጎድኒ ጎድኒ ሃገራዊ ድሕነትን ውሽጣዊ ጉዳያትን ተኣመንቲ ኮይኖም ኣብ ቤት ጽሕፈት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዓዲ ሃሎ ተመዲቦም ዝሰርሑ ዘለዉ ጉጅለታት፡ ናብ ሚኒስትሪታት፡ ዞባታት፡ ኮሚሽናት፡ ኤምባሲታት፡ ዘዋሪ መልእኽቲ፡ መምርሒታት መደባት ስራሕ፡ ትእዛዛት ዝርግሑን ዝቅበሉ ኢዮም።
ኣብ ቤት ጽሕፈት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ተመዲቦም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ዘለዉ ሰባት፡ ዝበዝሑ ደቂ ላዕለዎት ሰበስልጣን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኮይኖም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ፍሉይ ናይ ጠለፋ፡ ኮዳት፡ ምሕደራን ኮምፑተርን ስልጠናን ኣስተምህሮን ዝወሰዱ ምዃኖም እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።።
ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ መስርዕ ኩዕታን ዕደናን መሸጣን ማዕድናት፡ ስልጠና መዓስከር ሳዋ፡ ዓቅሚ ሰብ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ሓይሊ ኣየር፡ ምንቅስቃስ ገንዘብ፡ ጸብጻባት ስለያ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን መዓልታዊ ምክትታል ካብ ዝግበረሎም ትካላት ኢዮም።
ዕድመ ብምድፋእን ተነጽሎን፡ ሕማም ረሲዕ ዝፈታተኖ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብኹሪ ወዱ ኣብርሃም ኢሳያስ መዓልታዊ ካብ ጎድኑ ከምዘይፍለን ተኣፈፍቲ ጉዳያት ብመንገዱ ከምዝሳለጥን ምንጭታትና ኣመልኪቶም።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት፡ ነቶም ብዕድመን ብገድላዊ ተሞኩሮን መዛንኡ ዝነበሩ ሰበስልጣን በብሓደ ስለዝሓየሮምን ስለዘደስከሎምን፡ ብጭንቀትን ካልእ ሕማምን ብህይወት ስለዘየለዉን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበንን ዕንወትን ቅሳነት ከምዝኸልኦን መስተ ኣብ ዝሰትየሉ እዋን እከይ ተግባራቱ በጨቕ ከምዘብሎን ኣስማት ብህይወት ናይ ዘየለዉ ውልቀሰባት ከምዝጠቅስን ብሕርቃን ጣውላ ከምዝሃርምን ብቀረባ ዝፈልጥዎ ሰባት ይሕብሩ እዮም።
ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባርን ናይ ሎሚ ህግደፍን፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘበን ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ንኹሎም ስልጣን ይጻብኡኒ ወይ የወዳድሩኒ ኢሉ ዝሓሰቦም ኤርትራውያን፡ ብቃጻን ብናይ ሓሶት ክስን ብምቅንጻልን ብምሕያርን ብምርፋትን ኣጽኒትዎም ኢዩ።