ዘለኣለማዊ ስልጣን ንምርግጋጽ፡ ብዕላማ ሃገር ናብ ደውታ ካኣቱ ዝገበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ኣብ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ደውታ ኩነታት ሕጉስ ዘይምኳኑ ዝገልጽ ጽሑፍ፡ ብዘይወግዓዊ ናይ መራከቢ ብዙሃን ሕሳቡ ክድርቢ ምፍታኑ፡ ንብዙሓት ትዕዝብቲ ፈጢሩ።
እቲ ብመንገዲ NationalEri interest ዝተባህለ ዘይወግዓዊ ናይ 03 መርበብ ጉጅለ ህግደፍ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ [ከም’ታ ዓምቢባ፡ ፍሪኣ ግን ኣብ ጎረባብቲ ዝወድቕ ዓባይ ዳዕሮ ኮይና ንተርፍ ኣለና] ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝሰፈረ፡ ሕጫጨ ዝተመሎኦ ጽሑፍ ኮይኑ፡ ንኩለንትናዊ ደውታ ሃገርን ምብታን ዜጋታትናን ከም ስልታዊ ፖከቲካዊ ምርጫ ወሲዱ ክሰርሓሉ ዝጸነሐ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ተበቲኖም ገንዘቦም የውፍሩ ምህላዎም ብምስቁንቋን ክገልጽ ምፍታኑ ንብዙሓት ኣግርሞት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ’ዚ እዋን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምና ተሰዲዶም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዋኒናት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ብብዝሒ ኣብ ከም ዩጋንዳን ሩዋንዳን ዝበሃላ ሃገራት ገዚፍ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ወፍርታት ይገብሩ ኣለዉ ዝበለ ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ገንዘቦም የፍስሱ ምህላዎም ከምዘይተዋሕጠሉ ብምቅማጥ፡ ንምንታይ ኣብ ኤርትራ ክኸውን ዘይከኣለ ብምባል እዩ ኣስደማሚ ሕቶ ኣስፊሩ ዝርከብ።
ኣፈኛ ጉጅለ ህግደፍ NationalEri interest ኣስዒቡ፡ እቲ ብ”ሻቕሎት” ጥራይ ዘይሕለፍ ዘጉሂ ተርእዮ እንበኣር፡ መብዛሕትኡ ኣብ ፈቀዶ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ ኤሽያን ኤዉረጳን፡ ዕድሚኡ ምሉእ ሰሪሑ ዘዋህለሎ ገንዘብ፡ ኣብ’ዛ ትሓልፍ ዘላ ዕምሩ ገለ ነገር ክገብር ስለ’ዘለዎ ጥራይ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት፡ ኩሉ ነገራት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብምድንጓዩ፡ ኣብ ዓዱ ክገብሮ ዝሓሰበ፡ ኣብ ካምፓላን ከባቢኣን የዉፍር ምህላዉ እዩ ብምባል፡ በቲ ኩነታት ከቢድ ሓዘን ተሰሚዕዎ ምህላዉ ብኣሽካዕላል ዘቀመጠ ኮይኑ፡ ሕጋዊ ተሓታትነትን ትካላዊ ስርዓተ ምሕደራን ኣብ ዘይብላ ኤርትራ ንዘሎ ስርዓት ህግደፍ ክምጉስ እንዳወዓለ፡ ዜጋታት ብዝወሰድዎ ውሳነ ሓዘኑ ክገልጽ ምፍታኑ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘጉልሕ እዩ።
መንግስቲ ብሓደ ኢዱ ጥራይ ድዩ ዘጣቅዕ ዘሎ ? ክብል ዝሓተተ NationaEri interest ቀጺሉ፡ ህግደፍ ኣብ ምርግጋጽ ድሕነትን ልኣላዉነትን ዝቅድሞ ዘይብሉ ወተሃደራዉን ጸጥታዉን ሓይሊ ዝሃነጸ መንግስቲ ምኳኑ ድሕሪ ምምስካር፡ እቲ ዕላማ ሃገር ተኸላኺልካ ሃገር ንምህናጽን ንምምዕባልን ክሳብ ዝኮነ ንምንታይ ደውታ ተፈጤኡ፡ ወይ’ሲ ‘ኩሉ ባዕለይ’ዩ — ግን ኣየርከብኩን’የ እዩ እቲ ዛዕባ፡ ክብል’ዩ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ከምዘይፈልጥ ጋሻ ብምኳን ብህዝቢ ኤርትራ ከሽካዕልል ፈቲኑ ዝርከብ።
ንምኳኑ፡ መንግስቲ’ከ መን ድዩ ?
ህዝቢ መንግስቲ መንግስቲ ከኣ ህዝቢ ዶ ኣይኮነን ብምባል፡ ንሃጸያዊ ስነሓሳብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ጽሑፉ ዝጠቀሰ NationalEri interest፡ ኣብ ኤርትራ ብነጻ ሕክምም ዝሓገየ ናይ ዓይኒ ሓኪም ዶ/ር ባይሩ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሩ ሩዋንዳ ከይዱ ትካል ከፊቱ ይበሃል ብምባል፡ ኣዝዩ ከምዝደንጸዎን፡ ኤርትራ ንደቃ ዘይትከውን ሃገር ኮይና ምህላዋን’ዩ ብኣግርሞት ክገልጽ ዝፍትን።
NationalEri interest የማናይ ኢድ ጉጅለ ህግደፍ ብምኳን፡ ፖለቲካዊ ዕላማ እቲ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ምስጓም ዝጸንሓን፡ ንዓመታት ዘገልገለን ገጽ ክንሱ፡ ስለምንታይ ንጉጅለ ህግደፍ ዝነቅፍ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኣርእስቲ ሒዙ ተቐልቂሉ ዝብሉ ዜጋታት እኳ እንተለዉ፡ ይኹን እምበር እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣካል ናይ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ዲሞክራሳዊ ሓይሊ ምኳኑ ንምምስካር ዝገብሮ ጸወታ ምኳኑ ግን ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ።