ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ’ቲ ን144 ሃገራት ዝዳህሰሰ መበል 65 ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ዘሰክፍ ምኳኑን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሰቃቂ ኩነታት ሰባኣዊ መሰል ውን ይቅጽል ምህላውን ኣተሓሳሲቡ።
እቲ “ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም 2026” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ ሰነድ ኣምነስቲ፡ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምልካውያን ስርዓታት ዝያዳ ይሕይሉን፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ይረግጹን ምህላዎም ብሰፊሑ ዝተንተነ ኮይኑ፡ ካብተን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ስርዓትን፡ ግህሰት ሰባኣዊ ክብረትን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ሓንቲ ምኳና’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
መንግስታት ስልጣኖም ንምሕላው ክብሉ ኣገልግሎት ኢንተርነት ይቘርጹ፡ ሰላማዊ ሰልፍታት ብሓይሊ ይብትኑ፡ ከምኡ’ውን ናጻ ትካላት ፍርዲ ይጭፍልቑ ምህላዎም ዘተሓሳሰበ ኣምነስቲ፡
እዚ ፖለቲካዊ ጸገማት እዚ፡ ምስቲ ብምቁራጽ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሓገዛትን፡ ብሰንኪ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ዝመጽእ ዘሎ ደርቅን ውሕጅን ተደሚሩ፡ ንኣፍሪቃውያን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣውዲቑዎም ምህላዉ’ዩ ስጋኣቱ ዘቀምጥ።
ኣብ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ገና “ኣዝዩ ኣሰካፊ” ምህላዉ ኣብ ጸብጻቡ ዘቀመጠ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ንርብዒ ዘመን ብዘይ ቅዋምን ናጻ ትካላትን ትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ውድቀት ምህላዋ ብምትቃስ፡ ጉጅለ ህግደፍ “ተሓታትነት ዘይብሉ ባህሊ” የንግስ ከም ዘሎ እዩ ዘጠንቅቕ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ 2001 ጀሚሩ ዘተኣታተዎ ናይ ምዕፋን ተግባራትን፡ ምግሃስ መሰረታዊ ናጽነት ዜጋታትን ኣትሪሩ ይቅጽሎ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ ትካል፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ክስን ፍርድን፡ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ተሓይሮም ከምዝርከቡን፡ እዚ ባህሊ ጉጅለ ህግደፍ ምኳኑን’ዩ ዝገልጽ።
ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ታ ሃገር ንዝሰፈነ ‘ጨፍላቂ ባህሊ’ ዘንጸባርቕ እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ደሃይ ዘይብሎም ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ጋዜጠኛታትን፡ ናይ’ዚ ኣሰካፊ ግህሰት ህያው ምስክር ኰይኖም ይቕጽሉ ምህላዎም’ዩ ዝገልጽ።
ኣምነስቲ ኣስዒቡ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ባርነት ጉጅለ ህግደፍ፡ መንእሰያት ካብ ህይወቶም ንምንጻል ከም መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ምህላዉ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት መንእሰያት ካብ ስድራቤቶምን ትምህርቶምን ተነጺሎም፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ባርነት ኵነታት ክሰርሑ ይግደዱ ምህላዎምን፡ እዚ ድማ ንቝጠባውን ማሕበራውን ውሕስነት ዜጋታት የዕንዩ፡ ውድቀት ኤርትራ የረጋግጽ ምህላዉ’ዩ ዝጠቅስ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጭቆና ናብ ደገ ብምስፋሕ፡ ስግረ-ዶባዊ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ የካይድ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ተቓወምቲ ንምሽቝራርን ንምፍርራሕን፡ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ቤተሰቦም ናብ ሓደጋ ብምቅላዕን፡ ግዱድ ግብሪ ብምእካብን፡ ኩለንትናዊ ጸቅጢ ይፈጥር ምህላዉ’ዩ ዝከሰስ።
ብዘይካ`ዚ፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም መሰረት ብምግበር ዝእሰሩ ዘለዉ ዜጋታት፡ ቍጽሮም ይውስኽ ምህላዉን እግሮም ናብ ዝመርሖም ይስደዱ ምህላዎምን ዝጠቀሰ ኣምነስቲ፡ ኣብታ ሃገር ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ፈጺሙ ዘየለ ምኳኑ ውን፡ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘጋልጽ ሓቂ ምኳኑ ኣቀሚጥዎ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸሞ ግህሰት ውን፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብነጻ መርመራ ክርአን ተሓታትነት ክረጋገጽ ከምዘይተካእለን ዝከስስ እቲ ጸብጻብ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንዅሎም ፖለቲካውያን እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሕጋዊ ገደብ ግዜ ክመልስን ጻውዒት ብምቅራብ እዩ ጸብጻቡ ዝዛዝም።