ብዛዕባ ሓድነትን ክብሪታትን ሕብረተሰብ ኤርትራ ብቀጻሊ ዝግዕር ጉጅለ ህግደፍ፡ ብተግባር ግን ህዝብና ኣብ ክንዲ ተወዲቡን ነቂሑን መሰረታዊ ጸገማቱ ንምፍታሕ ዝቃለስን ንሓድሕዱ ከምዘይትኣማመን ንምግባር ተንኮላት ይምህዝ ምህላው ተፈሊጡ።
ካብ ስደት ስድራቤት ንምርኣይ ዓዲ በጺሖም ዝተመልሱ ኤርትራውያን ከምዝሓበርዎ፡ ህዝብና ድኽነት፡ ስደትን ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ከይኣኽሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዘዋፍሮም ሕልናናን ሞራልን ዘይብሎም ሰለይትን ናይ እዝንን፡ ሓድነቱ ይዝረግን ይልሕልሕን ከምዘሎ ገሊጾም።
ብጭውነትን ርህራሀን ምትሕግጋዝን ዝልለ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዋእል ጉጅለ ህግደፍ ግን በቶም ንዓኡ ዘገልግሉ ስማውያን ምምሕዳራት ዓድን ከባብን፡ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያን ኣቢሉ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ብምስላይ ጸብጻብ ናብ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታ ውሽጢ ሃገርን ከምዝሓልፍ ‘ዩ ዝግበር።
እቲ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ ስለያዊ ተንኮላት ድማ ንድሕነት ህዝቢ ዝከላኸል ዘይኮነ፡ ካብ ኣገልግሎትን ሰራዊትን ስደትን ናብ ስድራቤት ዝመጹ ሰባት፡ ምስ መን የዕሉሉ፡ ብኸመይ መጺኦምን መኣስ ይምለሱን ኣበይ ይንቀሳቀሱን መዓልታዊ ሕቡእ ምክትታል ይግበረሎም።
ኣብ ከተማን ሓውሲ ከተማን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእነት ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪን መጓዓዝያን ሕክምናን፡ ሕጽረት መንበሪ ኣባይቲ፡ ናህሪ ሃለኽቲ ኣቑሑት ኣብ ዝጭነቀሉ ዘሎ ግዜ፡ ነቶም ቁንጣሮ ፍሓም ወይ ዕንጨይቲ ዝገዝኡ ውልቀ ሰባት፡ ብጎሮቤቶም ተሓቢሮም ከምዝሕደጉን ከምዝሕየሩን፡ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ኣዕናዊ ሜላ ኣሰራርሓ’ዚ ዝፈጥሮ ከኣ፡ ኣብ መንጎ ቤተሰብን ጎሮባብትን ዘየድሊ ምትህልላኽን ምጥርጣርን ኣማዕቢሉ ከምዘሎ፡ እቶም በጻሕቲ ዓዲ ኤርትራውያን ብኣስተንትኖን ጓህን ገሊጾም።
ንገዛእ ርእሱ ብሕጊ ዘይግዛእን ብልሹዉን ምልካዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንህዝብና ብኸብዱ ብምሓዝ፡ ኣብ ትሕቲኡ ሰጥለበጥ ኢሉ ከምዝግዛእን ብፍርሒ ከምዝነብርን፡ ሓድነቱ ከምዝልሕልሕን፡ መዓልታዊ መደባቱ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ኤርትራዊ ክጥንቀቀሉን ክነቕሓሉን ይግባእ።
እቶም ብግዝያዊ ረብሓን ዕሽነትን፡ ምስ’ቲ ጽባሕ ዝወድቕን ተጠቂሙ ዝጉሕፎምን ጨካን ጉጅለ ህግደፍ ወጊኖም ጉምብሕ ጥልዕ ዝብሉን ገበን ዝፍጽሙን ዘለዉ፡ ኤርትራውያን፡ ካብ እከይ ተግባራቶም ክቁጠቡን ንፍትሒ ክጣበቁን’ዩ ዘምሕረሎም።