ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ከም ዘሰከፎን፡ ኣብ ትግራይ ዝውላዕ ዳግማይ ኲናት ነዚ ዞባ ከቢድ ሓደጋ ምኳኑን ገሊጹ።
ብዅሉ ወገን ዝርአ ዘሎ ተጻብኦታት ክሃድእን፡ ኩሎም ሓይልታት ሰለማዊ ፍታሕ ክኽተሉን ዝጸወዐ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ትማሊ ሓሙስ 30 ምያዝያ ኣብ ዝወጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ እናዓረገ ንዝመጽእ ዘሎ ኵነታት ብዓቢ ስክፍታ ይከታተሎ ምህላዉ እዩ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ነቲ ኲናት ደው እኳ እንተበሎ፡ ሰላምን ርጋኣትን እታ ክልል ግን ክምለስ ከምዘይከኣለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውን፡ኣብ ኣፈጻጽማ ዓንቀጻት እቲ ሰነድ ክዕወት ብዘይምካኣሉ ከምዘይተዓወተን፡ እቲ ኩነታት ናብ ግጭት የምርሕ ምህላዉን’ዩ ዝንገር።
ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ፡ ክልቲኦም ፈረምቲ እቲ ሰነድ ዝኮኑ ሓይልታት ፈደራልን ህወሓትን፡ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ርክቦም ምሉእ ብምሉእ ምብታኹ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ከይኣትዉ ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ’ዩ ሕብረት ኤውሮጳ ስጋኣቱ ዘቀምጥ።
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፈሪሱ፡ በቲ ቅድመ-ኲናት ትግራይ ብህዝቢ ‘ዝተመርጸ’ ዝበሎ ምምሕዳር ክትካእ ከም ዝወሰነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ኣብ ትግራይ ዝትከል ሓድሽ ቤትምኽሪ ክቅበሎ ከምዘይኮነ እንተፍሊጡ፡ እቲ ኩነታት ናብ ግጭት ከምርሕ ከምዝክእል’ዩ ዝንገር።
ኣፈኛ ውድብ ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም፡ ነዚ ምዕባለታት እዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ “ብሰላማውን ዲሞክራስያዊን መንገዲ” ስልጣኑ ከረክብ ይግባእ ዝበለ ኮይኑ፡ እዚ ክገብር እንተዘይክኢሉ ግን፡ ዓቢ “ስሕተት” ከም ዝፈጸመ እዩ ክብል’ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ውሳነ ህወሓት ኣብ ታሕተዎት ምምሕዳራት ዞባን ወረዳን ሰፊሕ ኣኼባ ይግበረሉ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ውድብ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ስልጣን ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ክምንዝዕ ከምዝክእልን፡ እዚ እንተተፈጢሩ ቀጥታዊ ግጭት ክውልዕ ከምዝኽእልን’ዩ ዝፍራህ።
ዕልዋ መንግስቲ ዘይኮነስ፡ ስልጣን ናይ ምርኽኻብ መስርሕ’ዩ ክካየድ ዝበለ ኣፈኛ ውድብ ህወሓት ኣቶ ሚኪኤል ኣስገዶም፡ ካብ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስልጣን ብሰለማዊ መንገዲ ክርከቡ ምኳኖም እኳ እንተገልጸ፡ ጀነራል ታደሰ ብወገኑ “ዘረክቦ ስልጣን የለን” ክብል ነቲ ኣካይዳ ከምዘይቅበሎ ምግላጹ፡ ኩነታት ትግራይ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ እቲ ብቅልጡፍ እናዓረገ ዝከይድ ዘሎ ኩነታት ብኣንክሮ ይከታተሎ ምህላዉ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብዓቢ ሻቕሎት ከምዝተሰመዖን፡ ዞባዊ ቀውሲ ከስዕም ከም ዝክእልን’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ሕብረት ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ሕዳር 2022 ንዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ዝዀነ ይዅን ስጉምቲ ብህጹጽ ክውገድ ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ካልእ ዙር ኣዕናዊ ኲናት ክውገድን፡ ኣብ መንጎ ኵሎም ወገናት ዘሎ ፍልልይ ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ከምዝግባእ’ዩ ወሲኹ ዘተሓሳስብ።