ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ኡጋንዳ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ህጻናት ብምእታው፡ ኣርባዕተ ዕሸላት ህጻናት ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ ብስቅለት ክቕጻዕ ኡጋንዳ ፍርዲ ከምዘሕለፈት ተገሊጹ።
እቲ ወዲ 38 ዓመት ምኳኑ ዝተነግረሉ ክሪስቶፈር ኦኬሎ ኦኒየም ዝተባህለ ገበነኛ፡ ኣብ ጊባ ናብ ዝርከብ መዕቆቢ ህጻናት ብምእታው፡ ኤቴኩ፡ ኬሻ፡ ሴሩያንጅን ኦዴኬን ንዝተባህሉ፡ ዕድሚኦም ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝግመት ኣርባዕተ ህጻናት ብኻቲ ምቅታሉ ኣብ እዋኑ ሓቢርና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ገበን ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ከቢድ ስንባደ ምፍጣሩ ውን ዮም ብዙሓት ዝገልጹ።
ዜጋታት ብሞት ናይ ምቅጻዕ ሕጊ ብወግዒ ዘይሰረዘት ኡጋንዳ፡ ሳሕቲ ንዝፍጸም ኣሰቃቂ ኢሰባኣዊ ተግባራት፡ ናይ ስቅለት ፍርዲ ብምሕላፍ ብሞት ከምእትቀጽእ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከምዚ ዓይነት ናይ ስቅለት መቅጻዕእቲ፡ ንመጨረሻ ግዜ ኣብ 2005 ከምዝፈረደት እዩ መዝገብ ገበን እታ ሃገር ዝገልጽ።
ናይ ኡጋንዳን ኣመሪካን ዜግነት ከም ዘለዎ ዝተነግረ ፈጻሚ ገበን ኦኒየም፡ ዝተዋህቦ ውሳነ ቅድሚ ምውሳዱ፡ይግባይ ንምሕታት 14 መዓልታት ከምዘለዎ ዝሓበረ ቤትፍርዲ ኡጋንዳ፡
እቲ ገበነኛ ገበኑ ከም ዝኣመነን፡ ሃብታም ክገብሮ ተስፋ ብምግባር ነቲ ናይ ሰብ መስዋእቲ ከም ዝፈጸመን፡ ዓቃቢ ሕጊ ንቤት ፍርዲ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጸኒሑ ግን ነቲ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ተግባር እዩ ዝብል ክሲ ከምዝከሓዶ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቲ ገበነኛ ኣብ ቃላቱ፡ ገበነኛ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ዝገጸመሉ ግዜ ናይ ኣእምሮ ሕማም ከም ዝነበሮን፡ ህጻናት ናይ ምቕታል ዕላማ ከም ዘይነበሮን ብምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ብነጻ ክሰናበቶ ሓቲቱ ምንባሩ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ’ቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከባቢ ኣብ ዝተመስረተ ግዝያዊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ዝሃባ ዳኛ ኣሊስ ኮሙሃንጊ ካውካ፡ ኦኒየም ኣብ መዓልቲ እቲ መጥቃዕቲ “ጥዑይ” ከም ዝነበረ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ፈሪደ ኣለኩ ዝበለ ኮይኑ፡ ብተግባራት እቲ ጥርጥር ገበነኛ ኣብ ስንባደ ዝቀነየ ህዝቢ ሓጎሱ ምግላጹ’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ነብሰ ምክልኻል ንዘይክእሉ ፍጡራት፡ ዒላማ ብምግባር ምንም ፍርሒ፡ ሕፍረት ወይ ንህይወት ሰብ ግዲ ከይገበረ፡ ከም እንስሳ ቀቲልዎም ብምባል፡ ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ብስቅለት ሞት ክፍረድ ምውሳኑ’ዩ ጸብጻብ AFP ዝገልጽ።