ኢራን ክልተ ኣዋርሕ ተሳጊሩ ንዘሎ ኲናት ደው ንምባል፡ ብመንገዲ ፓኪስታን ሓድሽ ናይ ስምምዕ ውጥን ከምዘቕረበት ወግዓዊ ወኪል ዜና እታ ሃገር ‘ኢርና’ ገሊጹ።
ኢራን ዝቀረበቶ ውጥን 2ይ ዙር ዘተ ምቁራጽ ተጻቦኦ፡ ብሞንጎኝነት ፓኪስታን ንኣመሪካ ከምዝበጽሓ ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን ንማዕከን ሓበሬታ (CBS News) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ውን እቲ ሓበሬታ ከምዝተረጋገጸ’ዩ ዝንገር።
ብመሰረት ወግዓዊ ወኪል ዜና ኢራን ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ትማሊ ሓሙስ ምሸት፡ ነቲ ሓድሽ ናይ ዘተ ውጥን፡ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝግበር ዘተ መንጎኛነት ተኺላ ንዘላ ፓኪስታን ኣረኪባ ምህላዋ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ እቲ ሓድሽ ውጥን ንዘጠቓለሎም ዝርዝር ጉዳያት ብዝምልከት ግን፡ ኣብ’ቲ ጸብጻብ ዝቐረበ መብርሂ የለን።
ሲቢኤስ ኒውስ ዘዘራረቦም ሰበ-ስልጣን ፓኪስታን፡ ኢራን ሓድሽ ናይ ዘተ ውጥን ኣቅሪባ ምህላዋ ዘረጋገጹ ኮይኖም፡ ኣመሪካ ነቲ ውጥን ተቐቢላ ምህላዋ እኳ እንተተገልጸ፡ ዛጊት ትራምፕ፡ ሕጉስ ዘይምህላዉ’ዩ ዝንገር።
ኢራን ቅድሚ ሕጂ ኣቕሪባቶ ዝነበረት ናይ ሰላም ውጥን፡ ጉዳይ ኑክሌር ንጎኒ ክውንዘፍ፡ ካልኣይ ዙር ናይ መጀመርታ ዘተ ከኣ፡ ኣብ ምቁራጽ ተጻቦኦን ምኽፋት ወሽመጥ ሆርሙዝን ጥራይ ከተኩር ዝጽውዕ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡
ይኩን እምበር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ውጥን ብዘይምሕጓሱ፡ ነቲ ውጥን ከምዝነጸጎ ዝዝከር እዩ።
ኢራን ሓድሽ ውጥን ምቕራባ ስዒቡ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ እናበረኸ ይመጻ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ፓኪስታን ነቲ ዘተ ንምዕዋት ኩሉ ዝካኣላ ክትገብር ከምዝከውን ውን’ዮም ሰበስልጣናት እታ ሃገር ምስ CBS news ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ዝገልጹ።