ጀርመን፡ ነቲ ኣመሪካ 5000 ወተሃደራታ ካብ ኤውሮጳ ክትስሕብ ዘሕለፈቶ ውሳነ ትጽበዮ ከምዝነበረት፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ ዝገለጸት ኮይና፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ንዝወሰደቶ ስጉምቲ ምምሕዳር ዋሽንግተን መብርሂ ክህበሉ ከምዝሓተተት ተገሊጹ።
ጀርመናዊ በዓል ስልጣን ቦሪስ ፒስቶርየስ ንማዕከን ዜና dpa ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ህላወ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጀርመን፡ ብድላይ ኣመሪካ ዝተግበረ ምንባሩ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ምስ ህሉው ኩነታት ብምትሕሓዝ ኣመሪካ ሰራዊታ ክትስሕብ ምውሳና፡ ጀርመን ትጽበዮ ከምዝነበረት’ያ ትገልጽ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወሃቢት ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ኣሊሰን ሃርት ብወገና፡ እቲ ኪዳን ብውሳነ ኣመሪካ ንምርዳእ ምስ ኣመሪካ ይዘራረብ ምህላዉ ዝገለጸት ኮይና፡ ኔቶ ካብ ኣመሪካ መብርሂ ይደሊ ምህላው’ያ ገሊጻ ትርከብ።
ዋሽንግተን ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ፡ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ኢራን “ተዋሪዳ” እያ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምሕጻጫ ዝሰዓበ ከምዝኮነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኣመሪካ ኣስታት 5ሽሕ ሰራዊታ ካብ ጀርመን ክትስሕብ ምውሳና እዩ ዝንገር።
ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን 36 ሽሕ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጀርመን ዓስኪሮም ምህላዎም ዝንገር ኮይኑ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ተዋፊሩ ካብ ዘሎ፡ቁጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ምኳኑ ውን’ዩ ናይ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣመሪካ ብዘይካ ጀርመን፡ ኣብ ጣልያን 12 ሽሕ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ኣስታት10 ሽሕ ወተሃደራት ከምዘለዉዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ’ቲ ሃገሩ ቁጽሪ ሰራዊት ንምንካይ ዝወሰደቶ ውሳነ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣመሪካ ኪንዮ 5ሽሕ ሰራዊት ንምቅናስ ውን መደብ ከምዘለዋን፡ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ክትስሕብ ከምዝኮነትን’ዩ ገሊጹ ዝርከብ።