ውድብ ህወሓት ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ዝተኣከበ “ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ” ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን ከምዝመረጾ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣፍሊጠን።
ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ክብል ምኽኣሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ተወንዚፉ ዝጸንሐ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስርሑ ከምዝተመልሰን፡ ጠንቂ ናይቲ ውሳነ ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስለዘፍረሶ ምኳኑን’ዩ፡ ተለቪዥን ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዝገልጽ።
ብመሰረት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ዘጽደቖም ኣጀንዳታት፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቀዋሚ መንግስቲ ትግራይ ከም ዝተካየደ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብ1 ተቓውሞ 3 ድምጺ ተዓቅቦን ብዝበዝሐ ደገፍን ተመሪጹ፡ ፕረዚደንት መንግሰቲ ትግራይ ኮይኑ ከምዝተሸመን፡ ቃለመሓላ ከምዝፈጸመን’ዩ ተለቪዥን ትግራይ ወሲኹ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብህወሓት ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ኣመልኪቱ፡ ዛጊት ዝኮነ ይኩን ምላሽ ካብ ምሃብ እኳ እንተተቆጠበ፡ ትማሊ ዝተወስደ ውንዙፍ መንግስቲ ናይ ምምላስ ስጉምቲ ግን፡ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝጸንሓ ወጥሪ ከግድዶ ከምዝኮነ’ዩ ዝእመን።
ቤት ምክሪ ትግራይ ንወ/ሮ ኪሮስን ወ/ሮ ምሕረት በርሀን ውን፡ ከም ኣፈጉባኤን ምክትል ኣፈ ጉባኤን ገይሩ ከምዝመረጸ’ውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ ንውሳነ ህወሓት ክቃወምን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ከገልግልን ዝጸንሐ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ዙር ውድቀት ክስከም ኣይግባእን” ክብል፡ ብመንገዲ ፈይስ ቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣጠንቂቑ።
ምስ ህወሓት ድሕሪ ዘጋጠሞ ተመሳሳሊ ወጥሪ፡ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዘ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ትማሊ ህወሓት ንዝወሰዶ ስጉምቲ “ጸወታ ቆልዑ” ክብል ነቂፉ።
ቃንጫ መርዓት ዝብሃል ጸዋታ ቆልዑ: ቆልዑ ከወድኡ ዝወሰኑ ደናቁር እናተላገጹ ደጊሞሞ፡ ክብል ንህወሓት ዝዘለፈ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቃላቱ፡ ኣብ ቃላቱ ውሳነ ህወሓት ዘስሕቅ ዲዩ ዘብኪ ንጹር ኣይኮነን ዝበለ ኮይኑ፡ እዚኦም ከይተሶጎጉ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ኣይረክብን! ብምባል’ዩ ንውሳነ ህወሓት ኮኒኑ።
ትማሊ ድሕሪ ዝተካየደ መንግስቲ ትግራይ ናይ ምምላስ ስጉምቲ፡ ክልተ ነፈርቲ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ሰማያት መቐለ ክዝንብያ ከምዝተራእያ ውን ካብ’ታ ከተማ ዝወጸ ሓበሬታ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምምጻእ እተን ነፈርቲ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት የዕሪፉ ንዝጸንሐ ህዝቢ ከተማ መቀለ ዝረበሸ እኳ እንተነበረ፡ ሓጺር ግዜ ድሕሪ ምዝንባይ ብዘይ ዝኮነ ነገር ከምዝተመልሳ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።