ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ ክውዳእ ከም ዝኽእልን፡ ንኒዩክለሳዊ መደባት ኢራን ደው ንምባል ዝሓንጸጾ ዕላማ ውን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝድግፎ ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣዝዩ ጽቡቕ ዝርርብ ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ሓጺር እዋን ክዛዘም ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ ብወገን መንግስቲ ኢራን ዝተዋህበ ምላሽ ግን ቍጡብን፡ ኣብ ዝርዝር ዘያኣተወን ምኳኑ’ዩ ዝንገር።
ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባጋይ፡ እማመ ኣመሪካ ገና ኣብ ገምጋም ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኢራን 14 ነጥብታት ንዘቀመጠ እማመ ብዝግባእ ድሕሪ ምምርማር፡ ብመንገዲ ፓኪስታናውያን መንጐኛታት ርእይቶኣ ከተካፍል ምዃና ዘነጸረ ኮይኑ፡
ይዅን እምበር እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ናይ 3ይ ወገን ዲፕሎማስያዊ መንገዲ፡ ኣካታዒ ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ወሃቢ ቃል ኮምሽን ሃገራዊ ድሕነት ባይቶ ኢራን ኢብራሂም ረዛይ ብወገኑ፡ እማመ ኣመሪካ፡ ዝርዝር ድሌታት እታ ሃገር ጥራሕ’ዩ ብምባል፡ ንጹግ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣመሪካውያን ኣብ ዝኸሰርዎ ኲናት ከውሕስዎ ንዘይከኣሉ ድሌታትቶም፡ ብስም ዘተ ክረኽበኦ ከምዘይኮኑ’ዩ ዘተሓሳስብ።
ሰበስልጣን ኢራን ብተወሳኺ፡ ሃገሮም ኣጻብዕቲ ኣብ ቃታ ተኺላ ነቲ ኩነታት ትከታተሎ ምህላዋ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ኣመሪካ ኣድላዪ ሕድገታት እንተዘይገይራን፡ እቲ ሰለማዊ ዘተ ክዕወት እንተዘይተሓባቢራን፡ ኢራን ከቢድ ጣዕሳ ዝፈጥር ግብረ መልሲ ንምሃብ ድልውቲ ምዃና’ዮም ዘጠንቅቑ።
እቲ ኵነታት ብጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ይቕጽል ከምዘሎ ዝገልጽ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቃላቱ፡ ኢራን ነቲ ብስርሒት ኤፒክ ፉሪ – ዝጽዋዕ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቲ ዝሓቶ ጠለባትን፡ ውዕላትን እንተ ተሰማሚዓ፡ እቲ ኲናት ክውዳእ ምዃኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ካብ’ዚ ወጻኢ ኢራን ምስቲ ኣሜሪካ ዘቅረበቶ ጠለባት ክትሰማማዕ እንተዘይኪኢላ ግን፡ እቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳባት ብኣዝዩ ዝለዓለ ጽዓት ዳግማይ ክጅምር ከምዝኮነን፡ መሰረተ ልምዓት ኢራን ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ ከምዝኮነን’ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ዝተዓጽዋ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ንምምራሕ ዝዓለመን፡ ፕሮጀክት ወፍሪ ሓርነት ዝተሰምየን ስርሒት ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ደው ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ 20% ነዳድን ጋዝን ዓለም ዝሓልፈሉ ናይ ባሕሪ መስመር፡ ካብ መወዳእታ ለካቲት ጀሚሩ ብኢራን ተዓጽዩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ርኡይ ዓለማዊ ቍጠባዊ ጸቕጥን፡ ልዑል ወሰክ ዋጋ ነዳዲን ዝፈጠረ ኩነታት እንተዘይተፈቲሑ፡ ቁጠባ ዓለም ፍጹም ኣሰካፊ ደረጃ ክበጽሕ ከምዝኮነ’ዩ ዝእመን።
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ፡ ምስ ትራምፕ ምሉእ ምውህሃድ ከምዘረጋገጸ ብምግላጽ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ስርሒት ምድምሳስ ዓቕሚ ኑክሌር ኢራን፡ ከምኡ’ውን ምውጋድ ኢራን ዘፍረየቶ ዩራንየምን ምዃኑ ዝገለጽ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሚያዝያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ ቦታኡ’ኳ እንተሎ፡ ዘይርጉእነት ዞባ ማእከላይ ምብራቅ ግን ገና ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ዝንገር።
እስራኤል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ በይሩት ኣንጻር ሕዝቦላህ መጥቃዕቲ ምፍጻማ ዝዝከር ኮይኑ፡ ሕዝቦላህ ብወገኑ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እስራኤል መጥቃዕቲ ሮኬትን ድሮናትን ይቅጽል ምህላዉ’ዩ ዝንገር።