ንዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ውድባት ትግራይ ዝሓቘፈ “ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን” ብሰንበት 17 ግንቦት 2026፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመስረተ ዝተነግረ ኰይኑ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታቱ፡ ነቲ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን መንግስቲ ትግራይ ዝተቘጻጸረ ሓይሊ ምእላይ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓላፊ ሚድያን ርክባትን ውድብ ስምረት ኣቶ ብርሃነ ገብረየሱስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ዝተባህለ ሕብረት፡ ብዝተፈላለዩ ውድባት፡ ፍሉጣት ውልቀሰባትን፡ ጸለውቲ ሰባትን ዝተመስረተ ትካል ብምኳን፡ ንዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ክመክር ከም ዝጸንሐ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ብሓይሊ ስልጣን ተቆጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ካብ ትግራይ ዝእለየሉ ኩነታት ንምፍጣር ክሰርሕ ምኳኑ’ዩ ዝገልጽ።
እዞም ደለይቲ ለውጢ፡ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ኣርባዕተ ውድባትን፡ ከምኡ’ውን ፍሉጣት ውልቀሰባት ምዃኖም፡ ኣብ’ታ ክልል ጸልውቲ ዝዀኑ ሰባት፡ 7 ፖለቲካውያን ውድባት፡ ፍሉጣት ሰባት፡ ትካላት ሚድያን ማሕበራትን ናብ ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ዓብዩ፡ ትማሊ ሰንበት ብወግዒ ቤት ምኽሪ ከም ዝመስረተ፡ ኣቶ ብርሃነ ወሲኹ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ሕብረት ንውድባት ባይቶና፡ ዓረና ትግራይ፡ ትንሳኤ 70 እንደርታ፡ ካልኦት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተመዝገቡ ፖለቲካውያን ውድባትን፡ ሲቪክ ማሕበራትን፡ ብምዃን “ሰላምን ለውጥን ትግራይ” ዝብል ቤት ምኽሪ መስሪቶም ምህላዎም’ዩ ኣቶ ብርሃነ ዝገልጽ።
ህዝቢ ትግራይ ብኸምዚ ዘለዎ ኵነታት ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ኣይክእልን’ዩ ዝበለ ኣቶ ብርሃነ፡ ብቝጠባዊ ኵነታት ተሃስዩ፡ ካብ መነባብሮኡ ተመዛቢሉ፡ ኣብታ ክልል ብሰንኪ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራ፡ ስእነት ጸጥታ፡ ሽቅለት ኣልቦነት ካልእን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ከም ዝርከብ ዝገለጸ ኮይን፡ ብሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወግዒ ዝተመስረተ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ፡ ናይ ሎሚ ትግራይ ዘላቶ ኵነታት ነዊሕ ክጸንሕ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዝኮነ ነገር ክግበር እንተዘይኪኢሉ፡ ብዓቢኡ ከኣ ተራ እቲ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ክግታእ እንተዘይኪሉ ሓደገኝነቱ ቀሊል ከምዘይከውን’ዩ ዝገልጽ።
ትግራይ ክሳብ ቅድሚ ዝተወሰነ እዋናት፡ ካብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ዝበለጸ ሰላም፡ ምርግጋእን ልምዓትን ዘለዋ ክልል እያ ነይራ ዝበለ ኣቶ ብርሃነ፡ ሕጂ ካብ ኵለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ምህላዋን፡ ኵነታት’ታ ክልል ድማ እናኸፍአ ይኸይድ ምህላዉን ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ጸቢብ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘውርዶ ዘሎ ዕንወት ብህጹጽ ክእረም ጸዊዑ