ነዳዲ ጽዒና ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ፡ ገማግም ባሕሪ የመን ዝበጽሐት ዓባይ መርከብ፡ ብናይ ባሕሪ ቐርሰንቲ ተጨውያ ንሶማል ከምዝኸደት፡ ሰበሰልጣን መቓድሾ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።
እታ ኤምቲ ዩሬካ ብዝብል ስም እትጽዋዕ መርከብ፡ ተጨውያ ናብ ሶማል ገጻ ተቕንዕ ምህላዋ፡ ሓለዋ ባሕሪ የመን ኣቐዲሙ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡
እታ ኣብ ማያት የመን ዝነበረት ናይ ነዳዲ መርከብ፡ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ጥቓ ወደብ ቃና ምስ በጽሐት ብቐርሰንቲ ከምዝተጨወየት’ዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
እቶም ቐርሰንቲ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ካብ እትርከብ ከተማ ቃንዳላ ከምዝተበገሱ፡ ሰለስተ ሰበስልጣን ጸጥታ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ 17 ሰራሕተኛታት ጽዒና ምንባራን ናበይ ከምዘበለት ብንጹር ከምዘይተፈልጠን’ዩ ዝንገር።
ኣቀድም ኣቢሉ ውን ሆነር 25 ዝተሰምየት፡ 18,500 በርሚል ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ፡ ናብ መቓድሾ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት ግዜ ከምዝተጨውየት ዝፍለጥ ኮይኑ፡
መርከብ ኤምቲ ዩሬካ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ን2ይ ግዜ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝተጨውየት መርከብ ነዳዲ ኮይና ምህላዋ’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኤምቲ ዩሬካ፡ ባንዴራ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቶጎ ገይራ ትንቀሳቐስ ምንባራ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት እዚ ኣብ ውሽጢ ወሽመጥ ዓደን፡ ኣብ መንጎ የመንን ሶማልያን ኣብ ዝርከብ ማያት ትጓዓዝ ምህላዋን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰዓታት ከኣ ኣብ ማያት ሶማልያ መልሕቓ ክትድርቢ ትጽቢት ከምዝግበር እዩ ዝንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ስርሒት መጓዓዝያ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ “ዕጡቓት ቀርሰንቲ” ኣብ ጥቓ ኣል-ሙካላ የመን ናብ ዝርከባ መራኽብ ጽዕነት ይጽግዑ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ካሉላ ካብ ዝርከብ ርሑቕ ገማግም ባሕሪ ከምዝተበገሱ’ዩ ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።
ከተማ ካሉላ ንመርከብ ኤምቲ ዩሬካ ዝጨወዩ ቐርሰንቲ ካብ ዝተበገሱሉ ከባቢ፡ ኣብ ናይ 209 ኪሎሜተር ርሕቀት ከምእትርከብ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ዝተራእየ ጭውያ ክልተ ዓበይቲ መራኽብ፡ ናይ ቀርሰንቲ ሽፍትነት፡ ኣብ መላእ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ዘመልክት ምኳኑ’ዮም ዝገልጹ።
ሶማልያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝነወሐ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ኰይና፡ 3,333 ኪሎሜተር ንዝዝርጋሕ ኣፍደገ ማያታ ንምሕላው፡ ጸረ ሽፍትነት ባሕሪ ንዝኮኑ ሓይልታታት ክሕግዝዋ፡ ናብ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ጻውዒት ክትገብር ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።
ሽፍትነት ባሕሪ ሶማል ካብ 2011 ጀሚሩ ክንኪ ምጽንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ መወዳእታ 2023 ጀሚሩ ግን፡ ዕጡቓት ሑቲ ብዝፈጠርዎ ስግኣት ዳግማይ ይረአ ምህላዉ እዩ ዝንገር።