ኣብ ከባቢ ዳባት ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብቲ በብግዚኡ ክበጽሖም ካብ ዝጸንሐ ቅትለትን ጭውያን ንምህዳም፡ ናብ ከተማ ዳባት ግዒዞም ገዛ ተካርዮም ክነብሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ካብቲ መዓስከር ንከይወጹ ይክልከሉ ምህላዎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቶም ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ናይ ስርቂ፡ ጭውያን ቅትለትን ዓመጽ ተሳቅዮም፡ ካብ’ቲ መዓስከር ኣብ ምህዳም ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ገለ ካብቶም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብቲ መዓስከር ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዝ ንብረቶም ሒዞም ናብ ከተማ ዳባት ኣብ ዘምርሕሉ ሰዓት፡ ብዕጡቃት ናይ’ቲ ከባቢ ይምለሱ ምህላዎምን፡ ካብ መዓስከር ክትወጹ ፍቃድ የብልኩምን ዝብል ትእዛዝ ይወሃቦም ምህላዉን’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረጋግጽ።
ኣብ ከባቢ ዳባት ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቃት ሓይልታት ፋኖን ዝተወለዐ ግጭት፡ ጸጥታዊ ኩነታቱ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደጋ ወዲቁ፡ መንነቶም ንዘይፍለጡ ሸፋቱ ተቃሊዑ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ከም ሰናይ ዕድል ዝጥምቱ ብርክት ዝበሉ ሸፋቱ ውን፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዋና ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ስርቂ ንብረት ክሳብ ቅትለት ዝበጽሕ በደላት ከውርዱ ምጽንሖም ተደጋጋሚ ግዜ ክሕበር ጸኒሑ’ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት UNHCR፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ ኣለምዋጭ ክቀርበሎም ዝጸንሐ ጥርዓን፡ ዝኮነ ይኩን ፍታሕ ክህቡ ብዘይምካኣሎም፡ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ዝከፈአ ኩነታት ወዲቑ ምህላዉ ክንገር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ክልል ዓፋርን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ምህዳም ምጽንሖም ኣይርሳዕን።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ናይ ሂወት ሓደጋ ገጢምዎም ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ዝርከቡ ነበርቲ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ናብ ከተማ ዳባት ብምግዓዝ፡ ካብ ስጋኣት ንምድሓን ክፍትኑ ምጽንሖም ዝሓበሩ ምንጭታትና፡ ይኹን እምበር ብረት ብዝዓጠቁ ኣባላት ሰራዊትን ምልሻን፡ ኣብ ከተማ ክነብሩ ከምዘይኽእሉ ተነጊርዎም፡ ናብ’ቲ መዓስከር ይምለሱ ምህላዎም’ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።