ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ: ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ገንዘባዊ ንጥፈታትን ቁጠባዊ ምዕባለን ሓበሬታ ዘይብላን ዘይትረኽበላን ኣብ ዜሮ ተሰሪዓ ዘላ ሃገር ምዃና ገሊጹ።
ኤርትራ ዋላኳ ካብ መፋርቕ 1994 ኣባል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ እንተኾነት: እቲ ነቲ ውድብ ክትህቦ ዝግብኣ ግዴታዊ ዓመታዊ ሓበሬታን ጸብጻብን ግን ከተቕርብ ኣይክኣለትን።
ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብተወሳኺ: ንኣባል ሃገራት ንዘለወን ቁጠባዊ ጸገማት ንምፍታሕን ልምዓታዊ መደባት ንምክያድን ብዝተሓተ ወለድ ልቃሕ ከምዝህብን ምስ ፍሉይ ኩነታት ዕዳ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ከምዝስርዝን ምጣነ ወለድ ከምዘጉድልን ዝፍለጥ ኮይኑ ኤርትራ ግን ነቲ ዕድላት ዛጊት ኣይተጠቅመትሉን።
ብዙሓት ሃገራት እንተላይ እተን ዝማዕበላ: ካብ ዓለማዊ ባንኪ: ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላትን ገንዘብ ተለቂሐን ኣብ ግቡእ መዓላ ኣውዒለን መነባብሮ ህዝበን ዘማሓየሻን ጸገማተን ዝፈትሓን ከምዘለዋ ይፍለጥ።
እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ስለዘይብሉን ግሉጽነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ ስለዝኽተልን: ይዕበ ይንኣስ ኣብ ቃሕታ ውልቀ ሰብ ዝተሞርኮሰ ኢዩ።
ኤርትራ ምስ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ: ዕቁር ጸጋታትን ኣገዳሲ ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን እትውንን ሃገር እኳ እንተኾነት ብሰሪ ገበቲ ፖሊሲታት ቀይዲታትን ስለዝተባሕተን ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኢያ።
ዝኾነ ቁጠባውን ገንዘባውን ምንቕስቃስ ድማ ምስጢራውን ሕጋውነት ዘይክተልን ስለዝኾነ ኤርትራ ሃብታም እንከላ ዝደኸየትን ትሕተ ቅርጻ ዝዓነወን ኢዩ።