ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ 13 ደለይቲ ፍትሒ ተቃለስቲ ሲቪላዊ ክሲ መስሪቱ፡ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ እየ ኣብ ምባል ዝርከብ ማሕበረኮም ጉጅለ ህግደፍ ሲያትል፡ በቲ ኣብ ልዕለይ ወሪዱ ዝበሎ በደል ናይ ልዕሊ 3 ሚልዮን ገዘንባዊ ካሕሳ ምሕታቱ፡ ንእንታይነት እቲ ጉጅለ ኣጉሊሑ ዘሪኢ ምኳኑ ተገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ከተማ ጊሰን ነቒሉ ኣብ ዓለም ምሉእ ክዋረድ ዝገበሮ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ድሕሪ ምውልዑ፡ እቲ ማዕበል ፈኸም እንዳበለ ናብ ዓዲ ክበጽሕ ይክእል’ዩ ካብ ዝብል ስጋኣት፡ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ፡ ክታኣምኖ ዝከብድ ናይ ጸለመን ሽበራን ክስታት ከቅርብ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ብመንገዲ ማሕበረኮም እቲ ጉጅለ ኣብ ስያትል ዝተመስረተ ክሲ ውን፡ ካብ 13 ደለይቲ ፍትሒ ተቃለስቲ፡ ናይ ዝተበተነ ዳስ፡ ዝፈሰሰ እኽለማይን፡ ዝተሰብረ ጠራሙዝን ዝተዘርገ ድግስን ጥራሕ ልዕሊ 3ሚልዮን ካሕሳ ክሓትት ምፍታኑ፡ እቲ ናይ ካሕሳ ሕቶ መንነት ህግደፍ ኣነጺሩ ዘቐምጥ ስእሊ ምኳኑ ዘርድእ።
ማሕበረኮም ጉጅለ ህግደፍ ጨንፈር ስያትል፡ ብሰንኪ’ቲ ብስም ወፍሪ ላምፔዱሳ ዝተካየደ ሰለማዊ ሰልፊ ብርጌድ ንሓመዱ፡13ሽሕ መእተዊ ትኬት ሸይጠ ክረክቦ ዝግበኣኒ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር፡ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ዕግርግር ንኣኽበርቲ ጸጥታ ዝተኸፍለ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር፡ ንሓንቲ ብያቲ ብ90 ዶላር ከሙኡ ውን ንሓንቲ ጥርሙዝ ብ27 ዶላር ክሽየጥ ካብ ዝተቀረበ እኽለማይ ዝባከነ 1.872 ሚሊዮን ዶላር ክሳራ በጺሑኒ ዝበለ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ነቲ ድግስ ንምብታን መሪሕ ተራ ኔርዎም ካብ ዝበሎም 13 ደለይቲ ፍትሒ ተቃለስቲ፡ ናይ 3 ሚሊዮን ዶላር ገምዘባዊ ካሕሳ ምሕታቱ፡ ወላ ውን ንናይ ሕጊ ኣካላት ዘገረመ ክስተት ኮይኑ ምህላዉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣብ ዲያስፖራ ዝካየድ ጸረ ምልኪ ምትእኽኻብ፡ ውዳበታትን ናይ ቃልሲ ስምዒትን፡ ፈከም እንዳበለ ሓደ መዓልቲ ኣስመራ ክበጽሕ ምኳኑ ኣጸቢቁ ዝርዳእ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ናይ ቃልሲ ሓይሊ ንምብታንን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘይወጽዎ ናይ ሕጊ ታኬላ ክሽመሙ ብምግባርን፡ ምልኪ ከናውሕ ክቃለስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ፡ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝገብርዎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ንሕጊ እተን ሃገራት ዘኽበረን፡ ውልቃዊ ሓርነትን መሰልን ብዝግባእ ዝተጠቅመን ብምኳኑ፡ እቲ ጸረ ሰላም ዝኮነ ጉጅለ ብዘይ ዝኮነ ዓወት ሓፊሩ ክወጽእ ምኳኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።