ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ንዝቀነየ ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ፡ ኣብ ኣስመራ ዝቐነየ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር፡ ምስ ማዕከናት ዜና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ይዓቢ ምህላዉ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብ ቃላቱ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን “ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ” ኣመዝጊቡ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ሓባራዊ መስመር መራኽብ ንምምዕባልን፡ ምትእስሳር ወደባት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕያልን፡ ትማሊ ቀዳም ወግዓዊ ስምምዕ ምትሕብባር መጓዓዝያ ባሕሪ ፈሪሞም ምፍራሞም’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ምብጻሕ ናይቲ ልኡኽ፡ ብሰንኪ ዝዓርግ ዘሎ ስግኣት ኲናት፡ ኣብ ተኣፋፊ እዋን ዝተፈጸመ ኣገዳሲ ውዕል ምዃኑ ዝሓበረ መራሒ ላዕለዋይ ሉኡኽ ግብጺ ኣስዒቡ፡ ግብጽን ኤርትራን፡ ኣብ ተሃዋጺ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዝነብራ ሃገራት ከም ምኳነን መጠን፡ ግብጺ ንኤርትራ ከም ዓንዲ-ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌራ ከምእትርእያ፡ ከም ውጺኢቱ ከኣ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ዝያዳ ንምትራር ብወገን መሪሕነት ግብጺ ተወፋይነት ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ላዕለዋይ ሉኡኽ ኣስዒቡ፡ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ዘካየድዎ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ርክብ፡ ርእይቶ ክልቲኤን ሃገራት ዝተቐራረበ ምዃኑ ከምዝተረድኡ’ውን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ ቃላቱ ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ዘለዎ ናእዳ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ንዘለዎ ምልከት ግብጺ ከምዘይደንቆ’ዩ ዝገልጽ።
ንጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምምሕዳር ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን፡ ወሽመጥ ዓደንን፡ ናይ መዳውብቲ ሃገራት ሓላፍነት ጥራሕ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ሚኒስተር፡ ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ማያት ንጹርን ዘየዛርብን እዩ ክብል’ዩ ንመርገጺ ሃገሩ ዘነጽር።
ዳርጋ ደስኪሉ ዝጸንሐ፡ ብተበግሶ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተጀሚሩ ዝነበረ “ቤት ምኽሪ” ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ንምብርባር ውን፡ ዳግማይ ዝርርባት ይካየድ ከምዘሎ ዝጠቀሰ ዓብደልዓዚዝ፡
ክልታኣዊ ሽርክነት ኤርትራን ግብጽን ግን ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ብራኸ ምብጽሑ’ዩ ከረድእ ዝፍትን።