ጉጅለ ህግደፍ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ገበናትን ቁጠባዊ ውድቀትን: ኣብ ቅንያት 24 ግንቦት: ብጓይላን ባዶ ጭርሖታትን ክሓብኦን ይህቅን ኣሎ።
ብመሰረት ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ: ንኣፉ ዝስተማይን ቁራስ እንጀራን ዘይረኸበን ኣብ ጸልማት ዝነብርን ዘሎ ህዝቢ ኣስመራ: ንመዓልቲ ናጽነት ገንዘብ ከዋጽእ: ኣብ ጎደናታት መሳዕስዒ ክዳውንቲ ክገዝእን ዳሳት ከሰርሕን: ብምምሕዳርን ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ይእዘዝ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ መሳኹቲ ተለቪዥን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጎደናታትን ኣዳራሻትን ዝርአ ዘሎ ሕብራዊ መብራህትን ባንዴራታትን ግን ነታ ዝዓነወትን ምስላ ዝተደወነትን ኣስመራን ብሕጽረት ቀረብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝሳቀ ዘሎ ነባሪኣን ተወሳኺ ዕዳን ድኽነትን እምበር መስተርሆት ከምዘይፈጥረሉ: እቲ ዝረኸብናዮ ምንጪ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ: ምምሕዳራት ነበርቲ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን መዓልቲ ናጽነት ንምጽንባል: ነፍስ ወከፍ ሰብን ከባብን ዝተኣዘዞ ምስዘየማልእ ከምዝቅጻዕን ኩፖን መዐደሊ ባኒ: ሽኮር: ፊኖ መሳሊ ከምዝኽልከልን: ብዘዋሪ መልእኽቲ መምርሒ ከምዝተዋህበ ተሓቢሩ።
ነቲ ብምምሕዳራት ህዝቢ ክትግብሮ ተኣዚዝዎ ዘሎ ንምስላጥ: እተን መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾና ብሃገራውያን ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝጽውዓ ቀንዲ ተዋሳእቲ ከምዝኾና ይፍለጥ።
ኣብ ሓምለ 2018 ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ዘይቅዱስ ዝምድና ኣብ ዝመስረትሉ ግዜ: ብሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝተወደባ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ምስሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣብዪ ኣሕመድን ሒዘን “ፍቅሪ ይስዕር: ሓደ ኢና” ኢለን ከምዝጨርሓን ከምዝሳዕሳዓን ይዝከር።
ብኣጋጣሚ መበል 35 ዓመት ጽምብል መበልቲ ናጽነት: ጉጅለ ህግደፍ ኮነ ኢሉ: ህዝቢ ንሓቀኛ ኩነታት ሃገሩ ከይርዳእ: ነቶም ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ኣብ ጎዳጉዲ ዝተሓየሩ: ኢትዮጵያ ንኸይትፈርስ ተባሂሉ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝሃለቑን ዝተማረኹን ዝሰንከሉን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንኽርስዑን ኣብ ሃገርና ዘሎ ስደትን ሕሰምን ንኽሕባእን ይሰርሕ ከምዘሎ ክግንዘብን ንመሰሉ ክቃለስን ኣለዎ።
ጨካን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ን35 ዓመታት ብዘይ ቅዋም: ባይቶ: ምርጫ: ሃገራዊ ባጀትን መደብ ስራሕን: መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ንህዝቢ ኤርትራ ይረግጾን ጅሆ ሒዙዎን ኣሎ።