ኣብ ልዕሊ ኲባ “ጽኑዕ ደገፍ” ከምዘለዋ እትገልጽ ቻይና፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር እተካይዶ ዘላ ምፍርራሕ ደው ከተብል ጸዊዓ።
ቻይና ተቓውሞኣ ዝገለጸት፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኲባ ነበር ራውል ካስትሮ፡ ገበናዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራቱን፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር መጠንቀቕታ ድሕሪ ምስዳዱን ኮይኑ፡
ቻይና ተግባራት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኲባ ቅቡልነት ከምዘይብሉ እያ ትገልጽ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ወዲ 94 ዓመት ፊደል ካስትሮ፡ ምስቲ ኣብ 1996 ዝተፈጸመን፡ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለን ምውዳቕ ሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ ጉዳይ፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ይድለ ምህላው ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንመንግስቲ እታ ሃገር ካብ ስልጣን ክኣልዮ ከምዝኽእል ክዛረብ ምስ ምጽንሑ ግን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተኣልመ ምኽኒት ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ኣመሪካ፡ ንፕረዚደንት ቨነዙዌላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ብሓይሊ መንዚዓ ቅድሚ ምውሳዳ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስ ዝተሓሓዝ ክሲ መስሪታ ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ፊደል ካስትሮ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ውን፡ ቀንዲ ዕላሙኡ መንግስቲ እታ ሃገር ንምውዳቅ ዝዓለመ ምኳኑ’ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
እታ ብሓይልታት ኲባ ተሃሪማ ዝወደቐት ነፋሪት፡ ኲባውያን-ኣመሪካውያን ኣብ ዝመርሕዎ ኣንጻር ስርዓት ኲባ ዝቖመ ጉጅለ ዝተዋፈረት ምንባራን፡ ሰለስተ ካብቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ዜጋታት ከምዝሞቱን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ነዚ ጉዳይ ሕጋዊ መዕለቢ ንምግባር፡ ንፊደል ካስትሮ ብሕጊ ትደልዮ ምህላዋ እያ ትገልጽ።
ነዚ ስጉምቲ እዚ ብወግዒ ዝኾነነት ቻይና፡ ኣመሪካ ሉኡላዊ ግዛኣት ኩባ ከተኽብርን፡ ሓይሊ ካብ ምጥቃም ክትቁጠብን እያ ትምዕድ።