ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ዝኸተመቶ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝግበር ዘሎ ሰለማዊ ጻዕርታት ኢትዮጵያ ንምትዕንቓፍን ንምዝራግን፡ ብርኡይ ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ከሲሳ።
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው፡ ብሓሙስ 21 ግንቦት 2026 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ካብ ካይሮ ዝመጸ ውዲት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለዋ ድሌት ንምዕንቃፍን ኣቓልቦ ንምስራቕን ዝዓለመ ምዃኑ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ፖሊሲታት ግብጺ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ምርግጋእ ንምዝራግ ዝዓለመ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ከምዝኮነ እዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ ንምብጻሕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ኣብ እተካይደሉ እዋን፡ ግብጺ ወጥሪ ክትፈጥር ምጽናሓ ልሙድ ተርእዮ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ይኹን እምበር ሰለማዊ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ንድሕሪት ዘይምለስ ንጹር ዕላማ ምዃኑ ኣነጺሩ ዝርከብ።
ኣብ ሞንጎ፡ ጉጅለ ህግደፍን ግብጽን ዝተገብረ ስምምዕ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢን፡ ምኒስተር መጓዓዝያ ካሚል ኣል-ዋዚርን፡ ኣብ ኣስመራ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብምርኻብ ዝተፈረመ ኰይኑ፡ እቲ ወደባት ግብጽን ኤርትራን ብቐይሕ ባሕሪ ንምርካብ ዓሊሙ ዝተገብረ ስምምዕ መጓዓዝያ ባሕሪ፡ ድሌታት ኢትዮጵያ ንምጉዕጻጽ ዝተገብረ ስምምዕ ምኳኑ እዩ ዝኸስስ።
ግብጻዊ ምኒስተር ዓብደልዓጢ፡ ኣብ ናይ ኣስመራ መገሹኡ ኣስመራ፡ ጸጥታን ምሕደራን ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ንዘለዋ ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት ፍሉይ ሓላፍነት ክኸውን ከም ዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘይርከባ ሃገራት፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተኣሳሰር ዝዀነ ይዅኑ ስምምዓት ናይ ምእታው መሰል ከም ዘይብለን ብምጥቃስ’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ዝቀንዐ ቀጥታዊ መልእኽቱ የሕሊፉ።