ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ቐጠር ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ቓንም ቢን መሓመድ ኣልማዓዲድ ረኺቡ ከም ዘዘራረቦ፡ ኣገልግሎት ዜና ቐጠር ኣፍሊጡ።
እቲ ርክብ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ምንቍልቋል ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝርአ ዘሎ ርክብ ብምዃኑ፡ ኣቓልቦ ስሒቡ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ 1996 ኣብ ዶሓ ኤምባሲ ኤርትራ ብምኽፋት ዝጀመረ ኰይኑ፡ ቐጠር ብወገና ኣብ 2001 ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ብምኽፋት ነቲ ዝምድና ናብ ዝሓሸ ኩነታት ንምውሳዱ ከምዝተዋሰአት ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣዝዩ ዕሙር ዝዀነ ዝምድና ከም ዝነበረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 10 ዓመታት ግን ዝምድናአን ኣንቈልቊሉ ምጽንሑን እዩ ዝፍለጥ።
ቐጠር ኣብ 2010 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ዝተፈጥረ ዶባዊ ምስሕሓብ ከም መንጐኛ ብምዃን፡ ኣብ ዘሰሓሕብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊራ፡ ናይ ዕርቂ ሽምግልና ተካይድ ከም ዝነበረት ውን ናይ ቀረባ ተዘክሮ ኮይኑ፡ ቀጠር ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2009 ዝተነብረሉ እገዳ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ኣትዩ ንዝነበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ደገፋት ዘማለአት ኣገዳሲት መሻርኽቲ ኮይና እኳ እንተነበረት፡ ይኩን እምበር ኣብ 2017 ድሕሪ ዘጋጠመ፡ ቅልውላው ኣባል ሃገራት ምትሕግጋዝ ወሽመጥ ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት፡ ባሕሬንን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ቐጠር እገዳ ምስ ገበራ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ቀጠር ዝነበሮ ዝምድና ከም ዝበተከ ኣይርሳዕን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኣብ ጎኒ እቲ ብስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝምራሕ ዝነበረ ልፍንታዊ ኪዳን ኣንጻር ሑቲ ተሰሊፉ፡ ወደብ ዓሰብ ከም መዋፈሪ ክኸውን ፍቃድ ብምሃብ ኣብቲ ግጭት ከምዝተሳተፈ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህግደፍ ምስ ኢማራት ዝነበሮ ስትራተጅያውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ተጠቂሙ፡ ወደብ ዓሰብ መዓስከር ኣየርን ናብ የመን ዝብገሳ ነፈርቲ ክኸውን ፈቂዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መንጎ ሃገራት ምትሕብባር ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዝነበረ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ 2021 ብዝተገብረ ሓባራዊ ስምምዕ፡ ዞባዊ ዲፕሎማሲ ሃገራት ዓረብ በብቝሩብ እናተመሓየሸ ክመጽእ ምጽንሑ ውን ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ነዚ ስዒቡ ምስ ቀጠር ዝነበሮ ሓርፋፍ ዝምድና ኣብ ምምሕያሽ ዝርከብ ጉጅለ ህግድርፍ፡ ትማሊ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብምግምጋም፡ ርክባቶም ኣብ ምምሕያሽ ከም ዝተዘራረቡ እዩ እቲ ካኣ ቀጠር ዝወጸ ሓበሬታ ዘረድእ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተባርዐ ኲናት ኢራን፡ ኣመሪካ-እስራኤል ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻ፡ ዝተወሰና ሃገራት ወሽመጥ ድማ ብፍላይ ብሰንኪ ዝወረደን መጥቃዕትታት ኢራን ኣብ ቅልውላው ኣትየን ምህላወን ተደጋጋሚ ግዜ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝተፈጥረ ጂኦፖለቲካዊን ጂኦስትራተጅያውን ለውጥታት ከኣ፡ ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ሓድሕደን ይዅን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለወን ዝምድና ንምምሕያሽ ተቀሲበን ምህላወን እዩ ዝእመን።