ንኤርትራ ከማሓድር ዘይክኣለ ጉጅለ ህግደፍ: ነቶም ብሰንኩ ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ስደት ተበታቲኖም ሓድሽ ህይወት ዝመርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን: ኣብ ዘለውዎ ሃገራት ዝረኸብዎ ዕድላት ብግቡእ ንኸይረብሕሉ: ንኸይጥቀሙሉን ንሓድሕዶም ምስ ካልኦት ኣህዛብ ንኸይላለዩን ዕንቕፋታት ይፈጥር ኣሎ።
ብመሰረት ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ዘለዉ ኤርትራውያን ናብ ኤሪፒኤም ዝለኣኽዎ ሓበሬታ: ኤርትራውያን ኣብ ዝቕመጥዎ ከተማታት ንዝግበር ዓመታዊ ባህላዊ ምርኢትን ሌላ ምስ መበቆል ሃካርካን ማሕበረኮምካን: ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራውያን ብዘይ ኣፍልጦን ፍቃድን ኤምባሲ ክሳተፉ ከምዘይግባእ መምርሒ ሂቡ።
እቲ ብምምሕዳራት ከተማን ከባብን ክፍለ ሃገራትን ዝውደብን ንማሕበረ ኮማት ዝተፈላለያ ሃገራትን ነበርትን ንባህሎም: ንመንነቶም ንታሪኾምን ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ሒዞም ክሳተፉ ዘተባብዕ ኣጋጣሚ: ፍቃድ ኤምባሲታት ዘይሓትት እኳ እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ግን ኣብ ክንዲ ንተበግሶ ዜጋታት ሞራል ምሃብን ምሕጋዝን: ምሕንኳልን ምፍርራሕን ዘደንጹ ዕሽነት ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ካብ ሃገሩ ዝተሰደን ዘየማሕድሮን ኣብ ጸገሙ ዘይግደሰሉን ኤርትራዊ: ክቆጻጸርን ንጥፈታቱ ክድርትን ምፍታኑ: ክቱር ንዕቀትን ዘይሕጋውን ስለዝኾነ: ኤርትራውያን ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩን ክኸሱን ይግባእ።
ኤርትራውያን ነቲ ብሰሪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መበቆል ሃገሮም ዝሰኣንዎ ዕድላት ኣብ ስደት ክረብሕሉን ህይወቶም ከማዕብሉሉን መንነቶምን ባህሎምን ክዕቅቡን ናብ ደቆም ከመሓላልፉን ብማሕበረ ኮም ክጥርነፉን ዘይሕከኽ መሰል ኣለዎም።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ምልኩ ዘሎ ህዝብና ሰብኣዊ መሰሉ ግሂሱን ኣድክዩን ብሕጊ ኣልቦ ዝጭቁኖን ዘሎ ኤርትራዊ ሰጊሩ: ኣብ ካልኦት ሃገራትን ምምሕዳራትን ቀይናን መምርሒታት ክህብን ገንዘብ ክእክብን መዝነትን ሓላፍነትን ስለዘይብሉ: ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ክነቕሓሉን ብትሪ ክቃወሞን ኣለዎ።
ከምዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ: ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ብማሕበረኮምን ብሞያን ከይጥርነፍ: ኣብ ሓደ ቤት ጸሎት ከየምልኽ ንሓድሕዱ ከይተሓጋገዝን ብሰላም ከይነብርን: ብስም ደጋፍን ተቓዋምን መንግስቲ: ሓድነት ህዝብና ዘሪጉን ኣርዒዱን ዕድመ ስልጣኑ የናውሕን ገንዘብ ይዘምትን ኣሎ።
ነዚ ነውራምን እከይን ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ወጊድ ኢልና: ኣብ ነፍስ ወከፍ ሃገር ዘለና ኤርትራውያን: ብዛዕባ ህይወትናን ደቅናን መንነትናን ቀዳምነት ሂብና: ማዕረ ካልኦት ዜጋታት መደባት ክንውድብን ኣብ ከባቢና ዝካየዱ ንጥፈታት ክንሳተፍን ሓላፍነት ኣለና።