ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ “ጽምዶ” ዝተሰምየ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን ህወሓትን ዝተፈጥረ ናይ ዝምድና ምንቅስቓስ፡ ንልዑላውነት ኢትዮጵያ ስግኣት እንተ ዳኣ ፈጢሩ፡ ክወስዶ ብዛዕባ ዝኽእል ስጕምቲ ኣመልኪቱ ንዲፕሎማሰኛታት ማሕበረሰብ ዓለም ከም ዘፍለጠ ሓቢሩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ነዚ መጠንቀቅታ እዚ ዘቕረበ፡ ብመንገዲ ዳይረክተር ወጻኢ ዝምድናታትን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ ኮይኑ፡ ነዚ ምንቅስቓስ ናብ “ባይታ ከነውርዶ ኢና” እንዳበሉ ምንቅስቓስ ንዘካይዱ ኣካላት ድሕሪ ምጥንቓቁ፡ ኢትዮጵያ ስጋኣት መሲሉ እንተተሰሚዕዋ ስጉምቲ ክትወስድ ምኳና’ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቲ ዳይረክተር ነዚ ዘፍለጠ ብ22 ግንቦት 2026 ምስ ሃገራዊ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ 21 ደቓይቕ ዝሸፈነ ቃለመሕትት፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ናብ’ቲ ብስም “ጽምዶ” ዝካየድ ዘሎ ሽርክነት ህግደፍን ህወሓትን ዘተኮረ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ዘየዳግም መልሲ ክትህበሉ ከምዝኮነት እዩ ወሲኹ ዘብርህ።
ቃለመሕትት ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኮኑ ሓይልታት፡ ምስ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጽኡ ውልቀ-ሰባት ብምኳን፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ንዝገበሩዎ ኣኼባ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ናይ መዓልታት ግዜ ዝሰዓበ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ሉኡላዊ ግዛኣታ ኣብ ስጋኣት ከምዝወደቐ ኣብ ዝተረዳኣትሉ ሰዓት ንጽምዶ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ከም እትወስድ እዩ ዝገልጽ።
ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኣብ ቃለመሕትቱ፡ ካብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ‘ጽምዶ’ ዝብል ምንቅስቓስ ይካየድ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ “ጸረ-ልዑላውነት ኢትዮጵያ” ምኳኑ ብምግላጽ ዝኮነኖ ኮይኑ፡ ጽምዶ “ክሳዶም ብኣርዑት ክጽመዱ ንዝደልዩ” ኢትዮጵያውያንን፡ ኣብ’ዚ ከባቢ ናይ ዝርከቡ ገለ ገለ ጉጅለታትን ጥምረት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመረይ ተጣሒሱ ኣብ ዝበለትሉ ሰዓት ክትሃርሞ ከምዝኮነት እዩ ዘጠንቅቕ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ፡ ብናቱ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ዓለም ንጹር መብርሂ ከምዝሃበ ዝገለጸ ጀነራል ተሾመ፡ ግቡእ ርድኢት ክህልዎም ውን ዓቢ ስራሕ ከም ዝተዓመመ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ዓለም፡ ብዛዕባ ጽምዶ ንጹር ግንዛበ ክህሉዎም ዝተደልየሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ክትወስዶ ብዛዕባ እትክእል ስጉምቲ መብርሂ ንምሃብ ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ እቲ ኩነታት እንተተባሪዑ፡ ኢትዮጵያ ተገዲዳ ታኣትዎ ኲናት ምኳኑ መረዳእታ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ውን እዩ ዘረድእ።
ጽባሕ ንግሆ ዓቢ ስጕምቲ ክትወስድ ዝሓትት ኵነታት እንተ ተላዒሉ፡ ናይ ማንም ፈቓድ ምሕታት ኣገዳሲ እኳ እንተዘይኮነ፡ ፈተውትና፡ ምሳና ዝሰርሑ ሰባትን፡ ናይ ወጻኢ ዶፕሎማትን ነዚ ሓሳብ እዚ ዝግንዘቡዎ ምግባር ግቡእ ስለ ዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
ሜጀር ጀነራል ተሾመ ኣስዒቡ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ’ውን፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ተመሳሳሊ ስራሕ ክዓምም እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ንሰላምን ጸጥታን ኢትዮጵያ ኣስጋኢ ተገይሩ ከም ዘይውሰድ እኳ እንተገለጸ፡ ናብ ደረጃ ስጋኣት እንተዓብዩ ግን ኢትዮጵያ ስጉምቲ ንምውሳድ ክትግደድ ምኳና እዩ ዘጠንቅቕ።