ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ስግኣትን ዝርጋሐን ሕማም መንሽሮ እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ሚኒስትሪ፡ መንሽሮ ጡብ፡ ክሳድ ማህጸን፡ ደም፡ ጎሮሮን ካልኦት ንስርዓተ መፍረ ዘዳኽሙን ናብ ሞት ዘብጽሑን ሕማማት መንሽሮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብብዝሒ ይርኣዩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ነዚ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ሕማማት መንሽሮ ብኣጋ ንምክልኻልን ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ንምዕባይን ንሕሙማት ንምሕጋዝን ህዝባውያን ማሕበራት ቆይመን ከምዘለዋ መግለጺ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ የመልክት።
ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብ ቀዘፍቲ ሕማማት ኮይኑ ዘሎ ሕማም መንሽሮ፡ ኣብ ኤርትራ ምስ ትሑት ደረጃ መነባብሮን ዘይምዕቡል ትካላት ጥዕናን ከምኡ’ውን እኹል ኣፍልጦ ብዛዕባ’ቲ ሕማም ዘይምህላውን ቅድመ ጥንቃቀን ምርመራን ስለዘየለን ካብቲ ዝዓበየ ጸገማት ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ክቱር ድኽነትን ትሑት ደረጃ መነባብሮን ስለዘሎ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ብቅዓቱን ኣብ ጥዕና ዘኸትሎ ጉድኣት ከይተመርመረን መዓልቱ ዝሓለፈን ኣብ ጀሪካናት ተዓሺጉ ዝኣቱ ዓይነት መግቢ፡ መድሃኒት፡ ዝስተን መመላኽዒ ቅብኢታትን፡ ጠንቂ ሕማም መንሽሮን ቆርበትን ካልእ ሕማማትን ከምዝኾኑ ብዙሓት ክኢላታት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም።
ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገባቲ ምሕደራን ዓንቃፊ ፖሊሲታትን ጉጅለ ህግደፍ፡ መሰረታውያን ጽላታት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ስለዝተዳኸመን ሰብ ሞያ ጥዕና ስለዝተሰዱን ስለዝተሓየሩን ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ክፍወሱ ብዝኽእሉ ሕማማት ኣደዳ ስቃይን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ።
መሐከሚ ገንዘብ ዝረኸቡን ካብ ኤርትራ ክወጹ ዝተፈቕደሎምን ሒደት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገራት ቱርኪ፡ ህንዲ፡ ታይላንድ፡ ኢትዮጵያን ካልኦትን ክሕከሙ ከምዝከላበቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መሐከሚ ገንዘብ ሓገዝ ምሕታትን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ዋላኳ ኣብ ኤርትራ ምጣነ ሞት ህጻናትን ነብሰጾራትን ከምዝጎደለ፡ ኤርትራ ካብ ኣልማሲ ሕማም ፖልዮ ናጻ ከዝኾነትን ኣብ መደበራት ጥዕና ዝወልዳ ነብሰ ጾራት ከምዝበዝሓን ዝብሉ መግለጺታት ዓወት ዘቕርብ እንተኾነ፡ ብግብሪ ግን ብዋሕዲ ዝተመጣጠነ ዝሞቱ ህጻናት፡ ብስእነት መጓዓዝያን ብቑዕ መድሃኒትን ዝሞቱን ዝድነሱን ኤርትራውያን ብዙሓት ኢዮም።
ብተወሳኺ ሕሙማት ኣብ መደበራት ጥዕናን ሆስፒታላትን ምስከዱ፡ ነዊሕ ሪጋን ሎሚ ጽባሕ ተመለስን ስለዘሎን፡ ምስ ስእነት መጓዓዝያን ዝብላዕ መግብን ኣብ ቤቶም ዝሳቀዩ ሕሙማት ውሑዳት ኣይኮኑን።
ከምዝፍለጥ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ንህዝቢ ስሉጥ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህባ ዝነበራ ናይ ብሕቲ ክሊኒካትን ትካላት ጥዕናን ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብጉጅለ ህግደፍ ከምዝዕጸዋ ኮይነን ኢየን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ትካላት ጥዕናን ሞያውያንን ከምዝዳኸምን ናይ ብሕቲ ከምዝዕጾን ብምግባር፡ ንመግዝኢ መመርመሪ ሕማም መንሽሮ ዘገልግል መሳርሒ ብዝብል ጉልባብ ካብ ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ዛኣከቦ ገንዘብ ውን ኣብ መዓላ ከውዕሎ ከምዘይከኣለን ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ።