ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ብስም ጽምዶ ክልተ ውድባት፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጽልዋ ጉጅለ ህግደፍ ወዲቓ እትርከብ ትግራይ፡ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝሰረቶ ወተሃደራዊ ውልቀምልካዊ ምሕደራ ዝመስል ኣዋጅ መንግስቲ ከምዝተኸለት ተገሊጹ።
እቲ ህላወን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ብዝብል ምኽንያት ዝወጸ ሰነድ ኣዋጅ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ናብ ክልላዊ ባይቶ ቐሪቡ ክጸድቕ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ምግዳብ ናጽነት ምዝራብ፡ ክሳብ ብሞት ዘቅጽዕ ፍርዳዊ መስርሕን ካልእን ዝጠቅስ ብምኳኑ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ትስራሕ ኣላ ዝብል ስጋኣት ክስምዖም ጌሩ ምህላዉ እዩ ዝንገር።
እቲ 44 ገጽ ዝሓዘን፡ ኣብ ሽድሽተ ምዕራፍ ዝተወደበን ረቂቕ ኣዋጅ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘይተለምዱ፡ ካብ’ቲ ስሩዕ ክልላዊ ይዅን ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ ወጻኢ ትርጓመታት ዝወሃቦም፡ ገለ ገለ ኣገረምቲ ድንጋገታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ መእተዊ እቲ ኣዋጅ ጸላኢ ክብል ዝገለጾ መንግስቲ ፈደራል፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ኣፍሪሱ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኵሉ ዓይነት በደልን ግፍዕን ይፍጽም ስለዘሎ፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ፡ ገዛእ ርእሱ ንምክልኻል ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል ከምዘለዎ ዝጠቅስ ኮይኑ፡ እዚ ምስቲ ጉጅለ ህግደፍ ብስም ኲናት ባድመ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዛኣወጆ ምልካዊ ስርዓት ዝመሳሰል ብምኳኑ፡ መጻኢ ትግራይን ህዝባን ኣሰካፊ ክኸውን ጌሩ ምህላዉ እዩ ዝእመን።
እዚ ንእዋን ኲናት ተሓሲቡ ዝተዳለወ ዝመስል ረቂቅ ኣዋጅ፡ ኣዋጅ -ክተት ወይ ውን ኣዋጅ-መኸተ ክበሃል ዝኽእል ኰይኑ፡ ብቕርጹ ይዅን ብሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ፡ ህጹጽ ናይ ድንጋገ እዋን ወይ “State of Emergency” ዝመስል ብምኳኑ፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ከስፍንን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተተኽለ ስርዓት ዝመስል ኣካይዳ ክኽተልን ምኳኑ’ዩ ዝግመት።
እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል፡ ብፕረዚደንት ክልል ትግራይ ከም ዝእወጅን፡ ብቤት ምኽሪ እቲ ክልል ጸዲቝ ውን መምርሒታት ከም ዝወጾን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ተጸዋዕነቶም ንፕረዚደንት እቲ ክልል ዝዀኑ ማእከላይ ኮማንድን፡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ቆይሞም፡ ናብ ስራሕ ካኣትዉ ተዳልዮም ምህላዎም እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዓንቀጽ 5 ከምዝተጠቕሰ፡ ዝዀነ ዕድመኡን ጥዕናኡን ዝፈቐደሉ ተወላዲ ትግራይ ዝኮነ መንእሰይ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ንዝቐርበሉ ጻውዒት ክተት ተቐቢሉ፡ ግቡኡ ናይ ምፍጻም ግዴታ ኣለዎ ዝብል ኮይኑ፡ እዚ ነቲ ብምስምስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ባርነት ህግደፍ ዝመስል ብምኳኑ፡ መንእሰያት ትግራይ ካብ ትግራይ ምርሓቅ ከም ኣማራጺ ክወስድዎ ከገድዶም ምኳኑ’ዩ ዝእመን።
ኣብ ክፍሊ ሰለስተ “ተሓታትነት ገበን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ምዕራፍ ብተመሳሳሊ፡ ናብ ሰራዊት ትግራይ ክጽንበር ወይ ክጋደል ዘይከኣለ መንእሰይ፡ ኣብ ደጀን ይዅን ኣብ ግንባር ግቡኡ ክፍጽም ጻውዒት ቀሪብሉ ከብቅዕ፡ ግቡኡ ክፍጽም እንተዘይኪኢሉ፡ ክሳብ ሓምሳ ሽሕ ብር ተቐጺዑ፡ ግቡኡ ክፍጽም ከም ዝግደድ ዝድንግግ ኮይኑ፡ እዚ ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ጉጅለ ህግደፍ ደቀን ናብ ስደት ካብ ዘምርሓ ስድራቤታት ዝሓቶ ዝነበረ መጠን ገንዘብ ዝመሳሰል ብምኳኑ፡ ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጽልዋ ህግደፍ ወዲቓ ምህላዋ ዘንጸባርቅ እዩ።
ንጥፈታት ሰራዊት ይኹን መንግስታዊ ኣካል ምቅላዕ፡ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ምሓዝን ጥይት ምትኳስን፡ ከምኡ’ውን፡ ካብ መንግስታዊ ጻውዒት ንምምላጥ ዝግበር ፈተነን፡ ምትሕብባርን፡ ብማእሰርትን ብገንዝብን ዘቅጽል ተግባራት ከምዝኾነ ውን ኣብ’ቲ ረቂቅ ሰነድ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ እዚ ውን ናብ ኤርትራ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ከገልግል ዝጸንሐ ናይ ምልኪ መሳርሒ ምኳኑ እዩ ዝንገር።
ኣብ እዋን ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ መሰረተ-ልምዓት፡ ትካላት ህዝብን መንግስትን ዕንወት ምፍጻም፡ ምስ ጸላኢ ምትሕብባርን ምስጢር ምብኻንን ውን፡ ብማእሰርትን ገንዘብን ዘቕጽዕ ከምዝዀነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ተግባር ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ እንተኾይኑ ግን፡ ክሳብ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ብሞት ከቕጽዕ ከምዝኽእል’ዩ፡ ዓንቀጽ 29 ክሳብ 30 ዝድንግግ።
ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ብምትሕብባር፡ ልኡላውነት ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር ምፍጻም፡ ከከም ዓይነት ኣፈጻጽሙኡ ዝትግበር፡ ከቢድ ስጉምቲ ከምዘለዎ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ክሳብ ብሞት ንምቅጻዕ ዘኽእል መሰል ዘፍቅድ ምኳኑ ውን፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15 ካሎኦት ቅሬታ ዝነበሮም ኣገደስቲ ሰባትን ዝተወስደ ናይ ቅንጸላን ምስዋርን ስጉምቲ ዘዘኻኽር እዩ።
እቲ ረቂቅ ኣዋጅ፡ ንናጽነት ፕረስ ኣመልኪቱ ውን ተወሳኺ ዓንቀጻት ዘስፈረ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ኣጠቓቅማ ማሕበራዊ መራከቢታት ቅድመ ኩነት ዘቀምጥ ሰነድ፡ ኣብ ትግራይ ንዝጸንሐ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል ብምግሃስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝሰርሓ ነጻነት ናይ ድምጺ ዘይብላ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከይትድገም ስጋኣት ብዙሓት ኮይኑ ይርከብ።
ኣብ ዓንቀጽ 48 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ጎስጓስ ምክያድ፡ ወይ ውን ብጸላኢ ንኽጥቃዕ ኮነ ኢልካ ምትሕብባር፡ ተወለድቲ ትግራይ ንጸላኢ ምምልማል፡ ሰራዊት ትግራይ ንኽኸድዕ ምልዕዓልን ምትብባዕን፡ ንሕልፈት ማእሰርቲ ወይ ብሞት ዘቅጽዕ ገበን ምኳኑ ዝተቀመጠ ኮይኑ፡ ጽልዋ ህግደፍ ኣብ ድሕሪ’ዚ ሰነዳት ምሉእ ብምሉእ ይንጸባርቅ ምህላዉ እዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ብስም ጽምዶ፡ ንትግራይ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ብምእታው፡ ናብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓወታት ንምጉንጻፍ ዝጽዕር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኩነታት ትግራይ ኣብ ምክባድ ቀሊል ዘይበሃል ተጽዕኖ ይፈጥር ምህላዉ ዝእመን ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ክትከል ተደልዩ ዘሎ ረቂቅ ሰነድ ውን፡ ነዚ ዘንጸባርቅ ብዙሕ ሓቅታት ኣቐሚጡ ምህላዉ እዩ ዘረድእ።