ጉጅለ ህግደፍ፡ ወኪል ሰብኣዊ መሰል ካብ ኤርትራ ክወጽእ ሕቶ ኣቅሪቡ ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ብምባል ዝመዘዞ ፍሉይ ወኪል ደው ክብልን፡ ስርሑ ወዲኡ ካብ ኤርትራ ክፋኖን ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዘቅረቦ ጥርዓን ተማሕጺኑ።
ወኪል ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ፍሉይ ሉኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ንምስሊ ኤርትራ ብምድዋን “ከቢድ ጉድኣት” ከምዘውረደ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ንዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ገበናት ብምኽሓድ፡ ስመይ ይጽልም ኣሎ ክብል ምድፋሩ፡ ትዕዝብቲ ፈጢሩ ይረክብ።፡
እዚ ዝቕጽል ዘሎ ጐስጓስ፡ ኣብ ወግዓዊ መጋባእያታት ሕቡራት ሃገራት ዝንቡዕ ዘይሚዛናዊ ትረኻ ብምፍጣርን፡ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ኩነታትና ዘንጸላለወ፡ ዘይቅኑዕ ዓለማዊ ርድኢት ብምስናዕን፡ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ’ዩ ዝበለ ወኪል ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ፡ ነቲ ብጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኣሰቃቒ ሰብኣዊ ግህሰትን ውርደት ዜጋታትን ፍጹም ጸለመ እዩ ክብሎ ምፍታኑ ንባዕሉ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሕብረት ኤውሮጳን ንዘሎ ዝምድና ክሓላልኾ ከምዝጸንሐ’ውን እቲ
ወኪል ህግደፍ ዑስማን ስላሕ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራ፡ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ንዝጸንሐ፡ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ዝምድና, ቀጻሊ ዕንቅፋት ኰይኑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።
ምቅጻል ስራሕ ፍሉይ ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ክልተኣዊ ጽምዶ ንምቕጻል ዝጠቅም ሃናጺ ረብሓ የብሉን ዝበለ ዑስማን ሳልሕ፡ ዘለና ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ ወይ ድሩት ትካላዊ ግዜ’ውን፡ ኣብኡ ከነጥፍኦ ፍቃደኛታት ኣይኰናን ብምባል እዩ፡ ዓለም ነቲ ፍሉይ ሉኡኽ ክትስሕቦ ምሕጽንታ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ዘቕረበ ፍሉይ ወኪል መሓመድ ዓብዱሰላም ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋርን፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛ እሱራትን ዝርከቦ፡ ከበድቲ ግህሰት መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ በቲ መግለጺ ዝነደረ ህግደፍ፡ ፍጹም ሓሶት ክብሎ ምፍታኑ ውን ዝዝከር እዩ።
ኣብቲ መስርሕ ዝጠፍአ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዶላር፡ ወይ ውን ልዕሊ 120 ሚልዮን ናቕፋ፡ ርእስኻ-ምኽኣል ኣብ ትሕቲ ዝብል ፖሊሲ ህግደፍ፡ ንልዕሊ 100,000 ዜጋታት ዘገልግልን፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ፡ ትሕተ-ቅርጺ ማይ ክሃንጽ ምኽኣለ ዝበለ ዑስማን ሳልሕ፡ ገበናት ጉጅለኡ ሸፊኑ፡ ብናይ ማይ ጸሓያዊ ፕሮጀክት ሓላዪ ህዝቢ ኤርትራ መሲሉ ክረአ ምፍታኑ፡ ንጭካነ እቲ ጉጅለ ዘጉልሕ ምስክርነት እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስተን ንመዝነት እቲ ፍሉይ ወኪል ዝድግፋ ሃገራት ዝገብሮ ምይይጥ፡ ብቀዋምነት ዝተዓጽወ ምዃኑ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ ፡ ንገበናቱ ክእመን ይኹን ፡ ምምሕያሻት ከሪኢ ዘይምብጋሱ ግን፡ ዕላምኡ ጽንተት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ’ዩ ዘረድእ።
ኣብ 2012 ተሓለቕቲ መሰላት ብዘካየድዎ ጐስጓስ፡ ብመሪሕነት ጅቡቲ፡ ሶማልያን ናይጀርያን ዝተመርሐ ፍሉይ ሉኡኽ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኩነታት ሃገራት ክከታተል ምምዛዙ ዝዝከር ኮይኑ፡
ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን’ውን፡ ነቲ በተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝቐረበ እማመ ምሉእ ደገፍ ብምሃበን፡ ህግደፍ ገበናቱ ክቃላዕ ምግዳዱ ዝፍለጥ’ዩ።
በዚ መሰረት ማውሪሽያዊት ሸይላ ቢ ኪታሩት፡ ፈላሚት ፍልይቲ ወኪል ብምዃን ንኩነታት ኤርትራ ክትከታተል በቲ ቤትምኽሪ መዝነት ተዋሂቡዋ ስርሓ ምጅማራ ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ ግንቦት 2013 ኣብ ዘቕረበቶ ፈላሚ ጸብጻባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምርሻን ዜጋታትን ምስቓይን ዝርከቦ፡ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይካየድ ከም ዝነበረ ምቅላዓ፡ ህግደፍ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እታ ፍልይቲ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ናብታ ሃገር ኣትያ ከይተጻሪ ህግደፍ ፍቓድ ስለዘይሃባ፡ ጸብጻባ ብቐንዱ ኣብ ምስክርነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተመርኮሰ ምንባሩ ዝጠቐሰት ኮይና፡
ኣብ 2014 ኣብ ዘቕረበቶ ካልእ ጸብጻብ ውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኩነታት ፍሉይ ኮምሽን ዘድልዮ ምዃኑ ብዝኣመመቶ መሰረት፡ ፍሉይ ኣጻራዪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት (UN Commission of Inquiry) ተመስሪቱ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ብዕቱብ ክሪኦ ምጽንሑ’ዩ ዝንገር።