ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ትማሊ ሸውዓተ ሓምለ 2026 ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ መዕጸዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቡ፡ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ጉዳያት ሃገሩ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ ኮይኑ፡ ህወሓትን ጉጅለ ህግደፍን ፋስን ዕንጨይትን ብምዃን ተልእኾ ካልኦት ንምትግባር ይደኽሙ ምህላዎም ገሊጹ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ዝገለጸ፡ ንእዋናዊ ኩነታት ትግራይን ዞባዊ ወጥርታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዘቅረቦ መብርሂ ኮይኑ፡ ብግብጽን ጉጅለ ህግደፍን ዝዝወር ዘሎ ውድብ ህወሓት ቀልቢ እንተገዚኡ፡ ኢትዮጵያ ንምዝርራብን ሰላም ንምፍጣርን ጻዕሪ ከምእትገብር ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ክልቲኦም ሓይልታት ህግደፍን ህወሓትን፡ ዕላማ ካልኦት ሓይልታት ንምትግባር ይሰርሑ ምህላዎም እዩ ዝኸስስ።
ጉጅለ ህግደፍ ከም ለዓት ዕንጸይቲ ፡ ህወሓት ከኣ ከም ፋስ መኹዓቲ ብምዃን ፡ ሰላምን ርግኣትን ኢትዮጵያ ንምህዋኽ፡ ዕላማ ፋስ ዝሕዝ ኣካል ንምዕዋት ይጽዕቱ ምህላዎም ዝገለጸ ኣብይ ኣሕመድ፡ ለኣኽቶም ስለንፈልጦም ምስ ፋስን ዕንጸይትን ምቁያቅ ጥቅሚ የብሉን ድሕሪ ምባሉ፡ ካብ ሰላም ወጻኢ ዘሎ ኩነታት ንመንጎኛታት ከም ዘይጠቅም’ዩ ዝገልጽ።፡
ኢትዮጵያ ክትፈርስ እያ ዝብል ትረኻ ቅድሚ ዓመታት ዝነበረ ትረኻ ምዃኑ ወሲኹ ዝገለጸ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ሓድሽ ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድሌት እኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን መኽሰብ ከምዘይብሉ ስለዝኣምን ፡ ነቲ ኲናት ከም ዝነጸጎን፡ ዝኮነ ይኹን ሸውሃት ከምዘይብሉን’ዩ ዝገልጽ።
ሓይልታት ትግራይ፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዝርከብዎም መንእሰያት ብግዴታ ብምግፋፍ፡ ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት የሰጋግሮምን፡ ከም ባሮት ይሸጥዎምን ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኣብይ፡ መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም እቲ ምንቅስቓስ “ብሰናይ ፍቓድ” ዝግበር ዘሎ፡ ስግኣት ብሄራዊ ህልውና ዘንቀሎ ስልጠና እዩ ክብሉ ዝጣበቑ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ምሻጥ ዜጋታት ምዃኑን ፡ ንትግራዋይ ካብታ ህወሓት ይሓልየላ እየ ዝብል ትግራይ ንላዕሊ፡ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ሃዋሳን ዝያዳ ሰላም ከምዝህባ እዩ ዝገልጽ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቃላቱ፡ ንጉጅለ ህግደፍ፡ ህወሓትን፡ ሱዳንን ብተሪር ቃላት ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ይትረፍ ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ኣብ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ ስግኣት ከምዘየለ እዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ምትኹታኽ ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ይሃንጽ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣብይ፡ ሰለስቲኦም ሓይልታት ህግደፍ፡ ህወሓትን፡ ሱዳንን፡ ንኢትዮጵያ ካብ ምርባሽ ወጻኢ ዝዕወት ዕላማ ከምዘይብሎም ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ከምዘይትፈርስ፡ እኳ ዳኣ ንዝወደቑ ከተልዕል ከምዝኾነት እዩ ዝጠቅስ።
ንጉዳይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ቃሉ ዝሃበ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ እቲ ስምምዕ ሰዓርን ተሰዓርን ብማዕረ ዝዛተይሉ መድረኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን መዓልታዊ ምትኹታኽ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሕወሓት ክመጻ ዝኽእል ስግኣት ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ግን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከየውድቆ ስግኣቶም ክገልጹ ምጽንሖም ኣይርሳዕን።
ኣብ መወዳእታ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ብዕለት ሓደ ሰነ 2026 ዝተኻየደ ሻውዓይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ካብ 501 ወናብር ን438 ወናብር ብምስዓሩ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዝምስርት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ውጽኢት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ንካልኣይ እብረ ዘመነ-ስልጣኑ ቃለ-ማሕላ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር።
ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ንቃላት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ስዒቡ፡ ብመንገዲ ኣፈኝኡ የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ናይ ግብረመልሲ ቃላት ዝወርወረ ኮይኑ፡
ምፍርራሕ፡ ምትላል፡ ናይ ሓሶት ወረን ምድንጋርን፡ ቀንዲ መሳርሒታት ስርዓት ብልጽግና ምዃኖም ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ስርዓት ባዕሉ ንዝፈጠሮም ውሽጣዊ ቅልውላዋት ንምሽፋንን፡ ልኡላውነት ጎረባብቲ ሃገራት ንምግሃስን፡ ዝጥቀመሉ ብልሓት ምዃኑ’ዩ ዝኸስስ።
ኣፈኛ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ ቃላቱ፡ ህግደፍ፡ ንልኡላውነት ሃገሩ ኣሕሊፉ ዝህበሉ፡ ወይ ውን ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝርበሸሉ ኩነታት ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ “ናይ ፖተምኪን ፓርቲ” ስትራተጂ ፡ ኣብ መወዳእታ ብባዶነት ከም ዘብቅዕ’ዩ ዝገልጽ።